Thursday , April 25 2024
Christian Örnberg/EXP/TT

መሓዙታ ጽቡቕ ክዳን ከይክደና ዝኸልከለት መርዓት

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓንቲ ስማ ክትጥቀስ ዘየፍቀደት መርዓት፡ ኣብ ዕለተ-መርዓኣ መሓዙት ክኾና ንዝሓረየተን መሓዙት ኣዝዩ ሰሓቢ ዝኾነ ክዳውንቲ ከይለብሳ ድሕሪ ምኽልካላ፡ እቲ ጉዳይ ኣርእስቲ ማሕበራዊ ጉዳይ ኮይኑ ቀንዩ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሚረር ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ዓዲ እንግሊዝ፡ እታ ወይዘሪት ድሮ’ቲ መርዓ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ምድላው፡ ነተን መሓዙት ብምእካብ “ኣብዛ እንኮ ዕለት’ዚኣ ኣነ ንግስቲ ስለዝኾንኩ፡ ካብ ኩሉኽን ጸቢቐ ክርአ ኣለኒ።

ማእከል ስሕበት ጠመተ ሰባት ኣነ ጥራይ ክኸውን ስለዘለኒ” ድሕሪ ምባል ኩለን ክሳብ ሸኮናአን ዝበጽሕ ኣልባሳት ደኣ’ምበር፡ ሓጺረ መጺር ወይ’ውን ልዕሊ ዓቐን ጽባቐ ዘለዎ ክዳን ከይገብራ ኣጠንቂቓተን።

ነቲ ጉዳይ ካብ መላእ ዓለም ብዙሓት ደቀንስትዮ ርእይቶ ሂበናሉ ኣለዋ። ገሊአን “ናይቲ ዕለት ዝለዓለ ርእሰ-ዝና ዘለዋ ንሳ ስለዝኾነት፡ ጽቡቕ ገበረት” ክብላ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ፡ “ማዕሪኣ ዋላ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እተን መሓዙት እውን ጽቡቕ ክኽደና ግን ናይ ግድን እዩ። ስለዚ፡ ምሒር ኣብዚሓቶ” ክብላ  ገሊጸን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com