Friday , April 26 2024

መመረቕታ መጽሓፍ: ”እንቶሽ” ብቐሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ሽወደን ድማ ከም ተርጓሚ ጽሑፋትን ከም ተሓዚ ጉዳያትን’ዩ ዝሰርሕ።

ብዛዕባ ”እንቶሽ” እታ እትምረቕ ዘላ፡ እኩባት ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ኣመልኪቱ፡ መግለጺ ክህብን ገለ ካብ ትሕዝቶታታ’ውን ከንብብን ስለዝዀነ፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።

እታ መጽሓፍ፡ ንመሸጣን ንምንባር ክታም ደራስን፡ ኣብቲ ዕለት እቲ ክትዝርጋሕ እያ (ብካሽ ወይ ብስዊሽ ምዕዳግ ይከኣል)።

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ቅድሚ ሕጂ’ውን ”ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ብትግርኛ” እትብል ጽሒፉን ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ሺስታ ኣመሪቑን ኔሩ እዩ።

”እንቶሽ” በቲ ንጽሑፋት ትግርኛ ኣብ ሽወደን ዘሕትም ”ኣሕታሚ እምኩሉ” እያ ተሓቲማ። ወኪል ኣሕታሚ እምኩሉ’ውን ብዛዕባ ካልኦት ተዳልየን ዘለዋ መጻሕፍቲ፡ ኣብቲ ዕለተ መመረቕታ መግለጺ ከቕርብ እዩ።

እቲ መደብ ብትግርኛ ዝቐርብ ኰይኑ፡ ብቛንቋ ሽወደን ክሓትት ንዝደሊ’ውን ብቛንቋ ሽወደን ናይ ምሕታት ተኽእሎ ኣሎ።

ዕለት: 2 ማርች 2019

ሰዓት: 14:30-16:30

ቦታ : ቤተመጻሕፍቲ ሺስታ

pinKista bibliotekKista Galleria, 164 53 Kista

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com