Friday , April 19 2024

መራሒ ተቛዋሚ ሰልፊ ሰኒጋል፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክልቀቕ ምዃኑ ተሓቢሩ

መራሒ ተቛዋሚ ሰልፊ ሰኒጋል፡ ዑስማነ ሶንኮ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክልቀቕ ምዃኑ ኣብ ርእሰ ከተማ ሰኒጋል፡ ዳካር፡ ዝርከብ ዳኛ እኳ እንተ ሓበረ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ተላዒሉ ዘሎ ክሲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግን ወግዓዊ ከምዝኾነን ንዕኡ ብዝምልከት ድማ፡ መርመራታት ክቕጽሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሶንኮ፡ ብምጥሓስ መምርሒታት ኮሮና፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወን ኣብኡ እንከሎ ድማ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝመጾን ይፍለጥ። ንሱ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ኣመልኪቱ፡ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዝሓዘ ክሲ እዩ ክብል ድሕሪ ምንጻጉ፡ ብምቕጻል ድማ ብዙሓት ደገፍቱ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ፡ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቛውሞታት ከምዘካየዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ናይ ተቛውሞ ኣድማ፡ ብዙሓት መካይን ከምተቓጸላን ኣብያተ ንግድን ዱኳናትን ድማ ከምተዘምቱን ብውሑዱ 5 ሰባት ከምዝሞቱን ይፍለጥ።  

ሶንኮ፡ ንናይ ሰኒጋል ፖለቲካዊ ላህመት፡ ብጋህዲ ዝቋወም ኮይኑ ብተማሃሮን መንእሰያትን ፍቱው ዝኾነ ፖለቲከኛ ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com