Saturday , April 20 2024
Credit: Johan Hallnäs/TT

መራሒ ወረበላታት ሽወደን ን 18 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ቤት ፍርዲ ይግባይ ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ቅትለት፡ ምዝውዋር ዕጸፋርስን ኣጽዋርን ተዋፊሩ ጸኒሑ ንዝበሎ መራሒ ወረበላታት ንንውሕ ዝበለ ማእሰርቲ ፈሪዱ።

እዚ መራሒ መርበብ ቮርቢ ምንባሩ ዝተገልጸ መራሒ ወረበላታት ን 18 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ምዃኑ ቤት ፍርዲ ይግባይ ገሊጹ’ሎ። እቲ መራሒ ነቲ ዝተባህለ ገበናት ኣይወዓልኲዎን ክብል ናይ ክሕደት ቃሉ ክህብ ምጽንሑ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ።

እዚ መጋባእያ ኣብ ታሪኽ ሕጊ ሽወደን ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ምዃኑ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com