Saturday , April 20 2024
Junge, Heiko/TT

መራሒ ዴሳዊ ሰልፊ ስተቫን ሎፊን ነቲ ብዓቃባዊን ክርስትያናዊን ሰልፊ ዝወጸ ጥሙር ንድፊ ባጀት “ድርባይ መሃረብ’ዩ ብምባል ነጺግዎ።

መራሒ ዴሳዊ ሰልፊ ስተቫን ሎፊን ነቲ ብዓቃባዊን ክርስትያናዊን ሰልፊ ዝወጸ ጥሙር ንድፊ ባጀት “ድርባይ መሃረብ’ዩ….ሃገር በዚ መሃረብ ኣይትካየድን’ያ”ብምባል ነጺግዎ።

“እዚ ልፍንታዊ ባጀት ድምጺ እንድሕር ረኺቡ ኦልፍ ክሪስተርሰን ድምጺ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ዳግመ ግምት ክግበረሉ ኣለዎ” ብምባል ሉፈን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

“ባይቶ ነዚ ልፍንታዊ ንድፊ ባጀት እንድሕር ድምጺ ሂብሉ ዴሞክራስያውያን ኣምባሳደራት ከኣ እንተ ደጊፎሞ ጽባሕ ን ክሪስተርሰን ዳግመ ግምት ክንገብረሉ ኢና” ኢሉ።

እቲ ኣፈኛ ባይቶ ናብኡ ዝዛዙ መግለጺ እንተ ሂቡ ኸኣ መራሒ መንግስቲ ንክኸውን ክመርጾ ምዃኑ ድጊሙ ኣረጋጊጹ።

ባይቶ ሽወደን ናይ ዝቕጽል ዓመተ 2019 ባጀት ዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ድምጺ ክህብ እዩ።

ባይቶ ንድፊ ባጀት ልፍንታዊ ስልፊ ከጽድቕ ኣብ ባጀት መሰጋገሪ መንግስቲ ግና ዜሮ ድምጺ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com