Thursday , March 28 2024
Claudio Bresciani / TT / TT NYHETSBYRÅN

መራሕቲ ታክሲ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ይኾኑ።

ምንሽርታት በረድ ንምጽዋት ካብ ኦስትርያን ጣልያንን ዝመጹ ቱሪስት ኣብ ኣርላንዳ ዘዛውሩ ዝንበሩ ሰብ ታክሲ ብሕማም ኮሮና ምልካፎም SVD ጸብጺቡ። ዘዋሪ ታክሲ ረዛቕ ኻላፍ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዳሕረዋይ ሰድያ ታክሲኡ ዝነብሩ ተሳፈርቲ ጽምዲ ይስዕሉ ምንባሮም ይዝክር። ደሓን ዲኹም ኢሉ ከም ዝሓተቶምን ንሳቶም ሰዓል ከም ዝሓዞምን ምንም ዘሻቕል ነገር ከም ዘየለን ከም ዝነገርዎ ይገልጽ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምልክታት ኮሮና ምምዕባሉን ኣብ መወዳእትኡ ስለ ዝበርትዖ ናብ ሆስፒታል ምኻዱን ድማ ይሕብር። እታ ጋዜጣ ንኻልኦት በዚ ዝተጸልዉ ሰብ ታክሲ እውን ኣብ ዘዛረበትሉ ብዙሓት መርሕቲ ታክሲ ሰርሖም ምስ ዝተፈላለየ ሰባት ብሙዃኑን ከም ናይ ኣውቶቡሳት መከላከሊ ብዘምህላዎም ግዳያት ከምዝኾኑ ትሕብር። ስጋብ ሕጂ ዝኾነ ስጉምቲ ስለ ዘይተወስደ ስርሖም ምስ ከቢድ ሻቕሎት የካይዱዎ ከምዘለዉ እዞም መራሕቲ ዝሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com