Tuesday , April 23 2024

መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣድላይ ዘይኮነ ጉዕዞ ክስረዝ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ ተባሂሉ

ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ዜጋታት፡ ፈጺሙ ኣድላይ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ይኹን ዶብ ሰገር ውጥን ጉዕዞኦም ክስርዙ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጻውዒት ኣቕሪቦም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ቫይረስ ኮሮና በብግዜኡ ዘካይዶ ዘሎ ምልውዋጥ ከም ዘሻቐሎም ዝገለጹ መራሕቲ ፈደሬሽን ኣውሮጳ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ፡ ኣብ እተራእየሉ ከባቢታት ሽግራት ንምቅላል ስጉምቲ ክወስዱ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ብዘይካ’ዚ፡ መስርሕ ጸረ ኮሮና ክታበት ክሳለጥን ነቲ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ንኽብጻሕ ተመዲቡ ዘሎ ደረጃ ማለት፡ 70% ናይ ኩሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት፡ ክኽተቡ ንምኽኣል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ እተሳተፈሉን ዘተ መራሕቲ 27 ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብሓሙስ ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ ቪድዮ፡ መኸተ ቫይረስ ኮሮና ብዓወት ንኽዛዘም ነዚ ሓድሽ ዓሌት ንምቅላስ ሓባራዊ ኣገባብ ክዋደድ ከምዝግባእ ለበዋ ኣሕሊፎም ኣለዉ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com