Friday , April 19 2024

መርበባት ሓበሬታ ናይ ሰብኡት ጾታዊ ጸዓት ዝውስኽ ናይ ሓሶት መድሃኒት ይሸጡ ምህላዎም ተለቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ።

ገለ መርበባት ሓበሬታ በባህርያዊ ቀመማት እተዳለወን ናይ ሰብኡት ጾታዊ ጸዓት ዝውስኽ ናይ ሓሶት መድሃኒት ይሸጡ ምህላዎም ሓደ ጸብጻብ ተለቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እዚ ጸብጻብ እዘን መርበባት እቲ ሸማታይ ገለ ኣቕሑ ብቐጻሊ ከም ዝገዝእ ብምግባር ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን የእትዎኦም ኣለዋ።

ኤጀንሲ ሓለዋ ሸመትቲ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ 94 ናይ ሓሶት ንግድ ናብ Aliaz ኮርፖሬሽን ምርካቡ ይፍለጥ።

ከምዚኦም ዝበሉ መርበብ ሓበሬታታት ንሸመትቲ ኣብ ዘየድሊ ምድንጋር የእትዎኦም እለዋ ክብል እቲ ኤጀንሲ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com