Thursday , April 18 2024

“መርበብ ሚድያ ኣልኮምፒስ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ጸለውቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ሽወደን 2018 ብምባል ተረቌሓ።”ሜትሮ

ሜትሮ ዝተባህለት ጋዜጣ ሽወደን ንመርበብ ሚድያ ኣልኮምፒስ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ጸለውቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ሽወደን 2018 ብምባል ረቚሓታ። ኣልኮምፒስ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዝርዝር “ልዩስ ሁቭድ” መበል 22 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

” ብዛዕባ ማሕበረሰቦም ብዙሕ ክንፈልጥ ጌሮምና” ብምባል ናእዳኣ ገሊጻ። ብዛዕባ ኣልኮምፒስ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ” ኣልኮምፒስ ኣሽሓት ሓደስቲ መጻእተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ንኽወሃሃዱ ከም ድልድል ኮይና ምግልጋላ” ገሊጻ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣልኮምፒስ ንፕረስ ቋንቋ ሽወደን ዝድግፍ ጽሑፋት ክተውጽእ ብምጅማራዩ። ብዘይካዚ ኣልኮምፒስ ብቋንቋታት ትግርኛ ፋርስን ዳሪን ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ብሶማልኛ ዝሕተሙ ጽሑፋት ምውጽኣ ካልእ ምንጪ ዓወታ’ዩ።

ኣብ ዓመተ 2018 ዝነበሩ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዓወታት እቲ መርበብ ሓበሬታ እዚኦም እዮም ኔሮም። ኣልኮምፒስ ንኹሎም ሰዓብታን ዝህብዎ ርእይቶን ብልቢ ተመስግን።

እዚ ስራሕ ብዓወት ንኽቕጽልን እዚ ሚድያ ንኽምዕብልን ዝህልዎ ተራ ኣዕዚዝና ኢና ንሪኦ። ካብ 2012 ጀሚርና ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ጒጅለታት ቋንቋ ዓረብ ከገልግል እተዓጥቀሉ ምኽንያት እውን ካብዚ እዩ ዝብገስ።

ኣብ ሽወደን እንታይ ይፍጸም ኣሎ በደቂቕ ይከታተል፡ ንሕጋታትን መትከላትን ማሕበረሰብ ሸወደን ክኣ ብኣኽብሮት እዩ ዝስዕቦም።

ዓወትና ካብ እምንቶኹም እዩ፥ ንሕና ኽኣ ኲልሳዕ ኣብ ጎድንኹም ኢና። ንኹሎም ሰዓብትናን መሳርሕትናን ብዙሕ ነመስግን።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com