Thursday , April 25 2024
Foto: Torstein Bøe / NTB

መርበብ ዝርርብ ሙስሊም—“መንሰያት ንምቅጻል ቊርኣን ከም ዘይረኣዩ ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎ” ጸዊዑ።

SIAN ከምቲ ውጥኑ ሎሚ ዓርቢ ቅዱስ ቊርኣን እንተቃጺለ’ውን ምእመናን ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎ መርበብ ዝርርብ ሙስሊም ኣፍሊጡ። “መንእሰያትና ንኸምዚ ዝበለ ናይ ተጻብኦ ተግባራት ሸለል ኢሎም ከም ዘይረኣዩ ብምኽታት፡ እቲ ቆስቋሳይ ዝደልዮ ኣቓልቦ ክኸልእዎ ኢና ንጽውዕ” ክብል ኣባል ቦርድ መርበብ ዝርርብ ሙስሊም ኣርሻድ ጀሚል ን NTB ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። መራሒ ናይቲ “ምምስላም ኖርውይ ደው ይበል’ ዝብል ውድብ SIAN ላርስ ቶርሰን ብረቡዕ ን NTB ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ን ሎሚ ዓርቢ ቊርኣን ከቃጽሉ መደብ ከም ዘለዎም ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ውድብ SIAN ኣብ ከተማ ኦስሎ ኣፍደገ መደበር ፖሊስ ስቶቭነር ነዚ ምቅጻል ከካይድ ዝሓተቶ ፍቓድ ብፖሊስ ምኽልካሉ ከም ዘሐጎሶ ጀሚል ገሊጹ’ሎ። “ፖሊስ ተጠንቂቖም ውሳነ ብምሕላፎም ኣኽብሮተይ ክገልጽ እደሊ” ኢሉ’ሎ። እቲ ኣዝዩ ዝበዝሐ ህዝቢ ኖርወይ ነዚ ምቅጻል ቊርኣን ዘይድግፎ ምዃኑ ከም ዘሐጒሶ ዝሓበረ ጀሚል “ጽልኢ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዝብል ካባ ተኸዲኑ ክኽሰት እንከሎ ንዂሉ ኣብ መዋጥር ምእታዉ ግድነት እዩ’ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዴንማርካዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ሲቪላውያንን ጒድኣት ኣብ ልዕሊ ምውራዱ ቅዱስ ቊርኣን እውን ምቅጻሉ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com