Thursday , April 25 2024
Staffan Löwstedt/SvD/TT

መሸጣ ፍርሒ ብመምህር መኮነን ተስፋይ

 
ሓደራኹም ፔርሙስኩም ሰቢርኩም ከይትውድእዎ
 
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ግዜ ብዘምጸኦ መሳርሒ ተጠቒምካ ዝሽየጥ ፍርሒ ማእለያ የብሉን።

ብዓቢኡ ፕረዚደንት እዛ ዓባይ ሃገር ኣሜሪካ ንህዝቡ ፍርሒ ሸይጡ’ዩ ተዓዊቱ።

ናይ ዶናልድ ትራምፕ ንጎኒ ገዲፈ ንሎሚ ብናይ ውሽጢ መልእኽቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ንዝተላእከለይ ፍርሒ ዝሸይጥ ሓበሬታ ንዝምልከት ኣጠቓሊለ ገለ ክብል’የ።

ሓደ ሓውና ከምቲ ኣብ ቪድዮ ዝረአ ኣብ ፔርሙስ መርዛም ከኒናታት ከም ዝርከብ ንምግላጽ ማዕረ ፔርሙስ ሰቢሩ ካብ ሰለስተ ሸነኽ ናይ ውሽጢ’ት ጥርሙዝ ዝኾነ ኣካል ብደጊኡ ስለስተ ከክንዲ ከኒና ዝመስላ ነገራት ብምውጻእ መርዛማት ከም ዝኾናን ኮነ ኢሎም ሰራሕቲ እቲ ፔርሙስ ንህዝቢ ሕማም ንምልባዕ ዝገበሩዎ ከም ዝኾኑ ተኣማሚኑ ክገልጽ ይረአ።

ኣብ ካልእ ቪድዮ’ውን ሓንቲ ሓፍትና ከም ኡ እናገበረት ዘር ኡ ቪድዮ ከም ዝዘርግሐት ክዕዘብ ኪኢለ ኣለኹ። 
ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2018 ነበርቲ ኬንያ ዝኾኑ ሶማልያውያን ጫቕ ጫቕ ዝበሉሉን ኣማኢት ፔርሙሳቶም ዝሰበሩሉን፡

ሃገራት ኣውርጳ ከም በዓል እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኣብ 2015 ዓም ተዛሪበን ንገለ ገል ፔርሙሳትን ናብ ዝመጸሉ ትካል ከም ዝመለስ ጌረን ዝወደኦኦ ዛዕባ ንኤርትራውያን ኣበይ’ዩ ተሓቢኡና ጸኒሑ ብሓደ ግዜ ነዚ ናይ ፌስቡክና ናይ ውሽጢ መልእኽትና ኣዕለቕሊቑዎ ይርከብ። 


ብዛዕባ እተን ዝበሃላ ዘለዋ ስለስተ ከኒና ዝመስላ ከበብቲ ነገራት ገለ ክብል። እተን ሰለስተ ከበብቲ ነገራት ኣብ መንጎ እቲ ናይ ውሽጢ ጥርሙዝ መሳልን ነቲ ናይ ደገ ሽፋን ዘሎን ኩባያ መሳልን ዘተሓሕዛ ኮይነን እታ ፔርሙስ ኣብ ሓዲግ ሓውሲ ጠልጠል ኢላ ክትጸንሕ ዘኽእላ መላግቦ’የን። ኣብ ገለ ገለ ፔርሙስ ፕላስቲክ ክኸውን እንከሎ ኣብ ገለ ገለ ከኣ እዘን ንብለን ዘለና ጸዓዱ ከኒናታት ዝመስላ ኢየን።

እቲ ከም መበገሲ ኮይኑ መዛረቢ ዛዕባ ዝኸውን ዘሎ እተን ከኒናታት ዝመስላ ነገራት ካብ ጀሶ መሳሊ ወይ ድማ ካብ ኣስቤስቶስ ዝተሰርሓ ምዃነን’ዩ።

ኣስቤስቶስ ሜዞቲልዮማ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሳምቡእ ካንሰር ዘምጽእ ባእታ ኮይኑ እቲ እንኮ መበገሲኡ ከኣ ደሮና ናይ ኣስቤስቶስ ምስ እተተንፍስ ኢዩ።

እቲ ደሮና ንባዕሉ ነቲ ካንሰር ከስዕብ ናቱ ዓቐን መጠን ኣለዎም። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ኣስቤስቶስ ዘለዎ መንደቕ ወይ ድማ ናይ ቀደም ትቦ ክንኣልዮ እንከሎና ደሮና ከይገብር ብራሕሲ ዘለዎ ነገር ከም ዝሽፈን ተጌሩ ብጥንቃቀ ክእለ ዝግበር።

ስለዚ እዘን ዝጥቀሳ ዘለዋ ከኒና መሰል ብኢድካ ስለዝሓዝካየን፡ ስለዝጨነኻየን ካንሰር ይሕዘካ ማለት ኣይኮነን። ብዛዕባ ኣስቤስቶስ እንተመጺና እዚ ኩሉ ናይ ቀደም መናድቕ ኣስቤስቶስ ዘይብሉ የለን።

ዝያዳ ሕማም ዘስዕብ ግን ክፈርስ እንከሎ ብእተተንፍሶ ደሮና’ዩ።

ካልእ እቲ ቀንዲን ዝኾነ ሰብ ዝዕዘቦን እቲ ሻሂ ወይ ዝሑል ማይ ንዕቅበሉ ፔርሙስ ብጥርሙዝ ዝተሰርሐ፡ ዋዒ ወይ ዛሕኪ ክዕቅብ ተባሂሉ ከኣ ብዝግባእ ዝተለበጠን ጽቡቕ ዝኾነ መከላኸሊን ዘለዎ ነገር’ዩ።

ከምዚ ኮይኑ እናሃለው እዘን ዝበሃላ ዘለዋ ኣብ ሰለስተ ሸነኽ ናይቲ ፔርሙስ ዘለዋ መላገብቲ ብዝኾነ ተኣምር ናብ ሻህና ወይ ዝሑል መስተና ክኣተዋ ዝኽእላሉ ኣብነት ወይ ተኽእሎ ትሕቲ ዜሮ’ዩ።

ስለዚ ኣስቤስቶስ ዘለዎ ፔርሙስ ጌርካ ሻሂ ሰቲኻ ማለት ካንሰር ይሕዘካ ማለት መሸጣ ፍርሒ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዝበሃል የብሉን። 

ምጥንቃቕ ጽቡቕ እንድዩ፡ ክንጥቀቀሉ ዝግባኣና ኣዚዩ ብዙሕ ነገር እናሃለወ ናብቲ ስግኣት ዘይብሉ ኣዘንቢልካ ዘየሎ ዛዕባ ፍርሒ ምፍጣር ግን ክንጥንቀቐሉ ዝግባእ’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com