Saturday , April 20 2024
Jonas Ekströmer/TT

መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኤልክትሮኒካዊ ናውቲ መምሃሪ ክጥቀማ ምኻነን ተሓቢሩ!!

መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሮም ኤለክትሮኒካዊ ዲጂታል ናውቲ ክጥቀሙ እዮም ተባሂሉ። እዚ እቶም ቆልዑ ምስ ኣብያተ ትምህርቶም ዘለዎም ርክብ ንኽጸንዕ ዝግበር ኮይኑ ኣካል ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝሳለጥ ዘሎ መስርሕ ምድጅታል እዩ። ብዙሓት ቆልዑ ሽወደን ምስ ዝተፈላለየ ዓይነት ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ሌላ ኣለዎም ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ ኢንተርነት መዓልታዊ ዝጥቀሙ ከም ዘለዉ’ውን ይሕብር። ብፍላይ 5 ዓመት ናይ ዝበዝሑ ቆልዑ ተጠቃምነት ድማ ክሳብ 80 ሚእታዊት ከም ዝበጽሕ ብተወሳኺ ተገሊጹ። “ምስ ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ቆልዑ ካብዚ ክጓነዩ የብሎምን” ትብል ተመራማሪት ሱዛን ኪላንደር። እንተኾነ ግና እዚ ኣሰራርሓ ሳየንሳዊ ኣገባብ ዝተኸተለ ኣይኮነን ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ፕሮፌሰር ስነ-ምስትምሃር ካትሪና ኩሩ ዘለዋ ስግኣት ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com