Thursday , March 28 2024
Science Photo Library/TT

መንሽሮ ሳንቡእ( lungcancer) ከየተፈልጠ ንነዊሕ እዋን ሰባት ከምዘሳቕይ ተሓቢሩ።

ኣብ ብዙሕ ከባብታት ሽወደን ኣብ ምልላይ ሕማም መንሽሮ ሳንቡእ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ብዙሓት ሰባት ሕማሞም ከይፈለጡ ይሳቕዩ ከምዘሎዉ ንምንጭታት ሓለዋ ጥዕና ጠቒሱ ዝተዘርግሐ ዜና ሓቢሩ።።

ብመሰረት ሰብ መዚ ጥዕና ተመራመርቲ ሕማም መንሽሮ( ካንሰር )ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብ ሳንቡእ ዝስረት ሕማም መንሽሮ ንምልላዩን ብኣግኡ ንምፍላጡን፣ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፣ ብዙሓት ሰባት ግዳያት ኮይኖም ምህላዎም ተፈሊጡ።

ሙሉእ ዕድሜኦም ሽጋራ ብምትኻኽ ንሕማም መንሽሮ ሳናቡእ ዝተቓልዐ እዩ ዝብል ዝጸንሐ ፍልጠት ተመራመርቲ፣ ሕጂ ግን እቲ ሕማም ሽጋራ ኣትኪኾም ንዘይፈልጡ ሰባት እዉን የጥቅዕ ብምህላዉ ነቲ ኩነታት ከምሓላለኾ ይግለጽ።

ነዚ ኣብ ሕማም መንሽሮ ሳንቡእ ዝረአ ዘሎ፣ ብኣግኡ ዝይምልላይ ተመራመርቲ ንኣብቲ ዓዉዲ ፍልይ ክእለት ዝደለቡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ልዑል ጻዕሪ የካይዱ ከምዘሎዉ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ነቲ ጸገም ዘቃልል ኣገባብ ኣብ ግብሪ ከዉዕሉ ትጽቢት ከምዝግበር፣ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com