Friday , April 19 2024

መንበሪ ኣባይትን ናብራን ኣብ ሽወደን

ኣብ ሽወደን ኣብ ገሊኡ ኮምዩናት፡ ገዛ ምርካብ ቀሊል ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ግን ከቢድ እዩ። ኣብ ኮምዩናት፡ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ብዙሕ ዝካረ ኣባይቲ የድሊ።


ኣብ ከተማታትን ከባቢኦምን ናይ መንበሪ ገዛ ምርካብ
ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን ዓበይቲ ከተማታት፡ ብዙሕ ሰብ ስለ ዝነብሮ፡ ዝካረ ገዛ ንምርካብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ዝበዝሑ ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ክነብሩ እዮም ዝደልዩ። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ክነብር ዝደሊ ሰብ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሕ ውድድር ኣሎ። እቲ ዝሓሸ፡ ምስ ካልእ ሰብ ምንባር ወይ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ማለት ብኻልኣይ ኢድ(ኣንድራ ሃንድ)ተኻሪኻ ምንባር እዩ። ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ግን ዝሓሸ ዕድል ኣሎ። ናብቲ ዓበይቲ ከተማታት ንምኻድ ድማ፡ ብዘይጸገም ዘመላልሳ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ኣሎዋ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይ መንበሪ ኣባይቲ
ገዛ፡ ካብ ኣካራዪ፡ ማለትብቐጥታ ካብ ብዓል ንብረት ክትካረዩዎ ትኽእሉ ኢኹም። በዚ ኸኣ፡ ቀዳማይ ኢድ ናይ ክራይ ኮንትራት ይህልወኩም። ኣፓርታማ ምግዛእ’ውን ይክኣል’ዩ። እዚ ድማ ኮንዶሚንየም ይብሃል። ገዛ ምስትገዝኡ፡ ናይ ዋንነት መሰል ኣለኩም። ካብ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ዝተኻረዮ ወይ ከኣ ነቲ ዝወነኖ ገዛ፡ ተኻሪኹም ክትነብሩ’ውን ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኸኣ ኣንድራ ሃንድ ወይ ዘይቀጥታዊ ውዕልክራይ ገዛ ይብሃል። ሓደ ሰብ ገዛ ተኻርዩ ኣሎ ወይ ወኒኑ ኣሎ ንበል፡ ካብቲ ተኻርዩዎ ወይ ወኒኑዎ ዘሎ መንበሪ ኣባይቲ፡ ንገለ ክፍልታት ተኻሪኻ ምንባር ድማ ዝክኣል ኮይኑ፡ ኢነቦየንደ ይብሃል። ዓይነት ናይቲ ውዕል ብዘየገድስ፡ ምስቲ ዘካረየኩም ሰብ፡ ውዕል ምፍርራም ኣይትረስዑ። ከም ውሽጣዊ ተኻራዪ ክፍሊ መጠን’ውን ኢንሹራንስናይ ገዛ ክትፍርሙ ኣለኩም። እንተዘየሎ ግን፡ ገለ ጸገም ምስ ዝጋጥም ዝኾነ መድሕን የብልኩምን።

ኣካራዪ
ገዛ ተኻሪኻ ምስ እትቕመጥ፡ ካብ ሓደ ኣካራዪ ኢኻ ተኻሪኻዮ ዘለኻ። ነቲ ገዛ ዝውንኖ ኣካራዪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ትካል እዩ። እቲ ትካል ግን ብብዙሓት ሰባት ወይ ብኮምዩን ዝውነን እዩ። ብኣኻ፡ ወይ ክበጽሓካ ብዝመጸ ሰብ፡ ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ገለ ነገር ምስ ዝሰብር፡ ንምዕራዩ ክትከፍል ትግደድ። ኣሪጉ ንዝበላሾ ነገራት ግን እቲ ኣካራዪ እዩ ዘዐርዮ ወይ ዝቕይሮ። ኣሪጉ ዝስበር ማለት ከም ኣብነት፡ ኤለክትሪካዊ እቶን ክኸውን ይኽእል።

ነቲ እትነብረሉ ገዛ፡ ብናይ ቀዳማይ ኮንትራት ተኻሪኻዮ ምስ እትኸውን፡ ክሳዕ ዝደለኻ ግዜ ክትቅመጦን ክትጥቀመሉን ትኽእል ኢኻ። ክራይ ገዛ ግን ናይ ግድን ኣብ እዋኑ ማለት ኣብ ወወርሑ ክትከፍል ኣለካ፡ ንጎረባብቲ ድማ ክትርብሽ የብልካን። ካብቲ ገዛ ክትወጽእ፡ ማለት ክትገድፎ ምስ እትደሊ፡ ናይ 3 ኣዋርሕ ክራይ ገዛ ክትከፍል ይግባኣካ። እዚ ማለት ድማ፡ ‘ናይ ስምዕታ ግዜ’ ዝብሃል ኮይኑ’ ክትገድፎ ምስ እትደሊ ኣቐዲምካ ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ንገር ማለት እዩ። ናይ ቀዳማይ ደረጃ ውዕል ወይ ኮንትራት ምስ ዝህልወካ፡ ምስ ካልእ ተኻራዪ ክትለዋወጥ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ምልውዋጥ ግን፡ እቲ ኣካራዪ ክቕበሎ ኣለዎ። እቲ ትቕመጠሉ ገዛ ናይ ምሕዳስ ውሳነ ንዋናኡ’ዩ ዝምልከት። ነቲ ገዛ ከተሐድሶ ምስ እትደሊ’ውን እቲ ኣካራዪ ክፈልጥን ክሰማማዓሉን ኣለዎ።

ገዛ ምልውዋጥ
ወናኒ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ክራይ ገዛ ምስትኸውን፡ እሞ ድማ ቅቡል ምኽንያት ምስ ዝህልወካ፡ ገዛ ኽትለዋወጥ መሰል ኣሎካ። ከም ቅቡል ምኽንያት ዝቑጸር ንኣብነት፡ ገፊሕ ገዛ፡ ሕስር ዝበለ ክራይ ገዛ፡ ወይ ጥቓ ስራሕካ ገዛ ምስ ትረክብ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ገዛ ክትላወጥ እንተደሊኻ፡ ዋና ገዛ ቕድም ክፈቕደልካ ኣለዎ። ዋና ገዛ ከይፈቐደልካ እንተተለዋዊጥካ፡ ዘሎካ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ገዛ ኽራይ፡ ክትሕደግ ትኽእል ኢኻ። ተኻራዪ እንተዄንካ፡ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ኣብ ዝረኸብካሉ ግዜ ገዛ ክትለዋወጥ ትኽእል ኢኻ።

ጸሊም ኮንትራት
ጸሊም ኮንትራት ማለት፡ ብገንዘብ ዝግዛእ ወይ ዝሽየጥ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ገዛ ኽራይ ማለት’ዩ። ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ገዛ ኽራይ ምሻጥ ሕጋዊ ኣይኮነን። እንተ ተፈጺሙ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ዝሸይጥ ሰብ ናይ 2 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል’ዩ። ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ምግዛእ፡ ብሕጊ ክልኩል ኣይኮነን። ከምኡ ዝገብር ሰብ ግን፡ ኣብ ዘስግእ ወይ ዘሕትት ኩነታት ይወድቕ። እቲ ገዛ፡ ብጸሊም እንተደኣ ተኻርዩ፡ ዋና ገዛ ንቐዳማይ ኢድ ኮንትራት ክራይ ገዛ ክስሕቦ መሰል ኣሎዎ።

ምንጪ : informationsverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com