Thursday , March 28 2024

መንኰርኰር ናሳ: መሬት ማርስ ትረግጽ

ሓዳስ መንኰርኰር ናሳ፡ ኣብዚ ሰሙን፡ ሓመድ ፕላኔት ማርስ ረጊጻ ክትብል ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ። እዛ ፐርሲቨራንስ ዝስማ መንኰርኰር ኣብ ማርስ ኣሰር ህይወት እንተሎ ምምርማር ቀንዲ ዕላማኣ ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ።

ነዚ ጒዕዞ ኣብ ምውህሃድ ዝነጥፍ መሃንዲስ ናሳ፡ ሪች ሪበር፡ “ናብ ማርስ እንገብሮ ዘይተርፍ ጒዕዞ በዚ ጀሚርናዮ ኣሎና። እዛ ተበግሶ ታሪኻዊት እያ ኢሉ’ሎ። ተቘጻጸርቲ እዚ በረራ እቲ ተልእኾ ብዓወት ንኽዛዘም ኣብ ነቚጣኦም ኮይኖም ዝከኣሎም ኲሉ ይገብሩ ምህላዎምን ክሳብ ሕጂ ኲሉ ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላዉን እዮም ዝገልጹ።

እዛ ክንዲ መዛወሪት መኪና እትኸውን መንኰርኰር ቅድሚ ተልእኾኣ ፈጺማ ምምላሳ፡ ሓመድን ኣኻውሕን እታ ፕላኔት ሒዛ ከተምጽእ ዘኽእላ ኣገባብ ተገጢሙላ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ። ፐርሲቨራንስ ዝዓበየትን ኣዝያ ዝተራቐቐትን መንኰርኰር ናሳ ምዃና ይግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com