Thursday , April 25 2024

መንግስቲ ህንዲ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ተቓውሞ ይገጥሞ

ሃገረ ህንዲ፡ ንኣታሕዛ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህንዲ፡ ዝፍነዉ ዘለዉ ናይ ነቐፌታ ትሕዝቶታት፡ ትዊተር፡ ከይልጥፍ ብምእዛዙ ተቓውሞ ይገጥሞ።

ኣሽሓት ህንዳውያን ነዚ ውሳነ መንግስቲ ዝቃወም ጽሑፋት ይልጥፉ ምህላዎም ተፈሊጡ። ኣፈኛ ትዊተር ገለ ትሕዝቶታት ኣብ ህንዲ ከይረአ ከም ዝዓጸወ ሓቢሩ’ሎ።

ህንዲ መጠነ ገዚፍ ሓድሽ ደግሲ ኮሮና ኣጋጢምዋ ሆስፒታላት ብሕጽረት ኦክሲጂን ይሳቐዩ ምህላዎም ይፍለጥ። ሓደ ካብ ተጠቀምቲ ትዊተር ” ኣብ ክንዲ ኦክሲጂን ዝቕርብ ትዊተር ክዓጹ ዝቐሎ መንግስቲ” ክብል ተቛውሞኡ ኣስፊሩ’ሎ።

ሎሚ ሰኑይ ጥራይ ኣብ ህንዲ ዛጊት 2812 ሰባት በዚ ሕማም ምሟቶምን ልዕሊ 350 ሽሕ ድማ በዚ ሕማም ከም እተለኽፉን ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com