Thursday , April 25 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ሓገዝ ንምርካብ፡ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ግዴታ ክኸውን ምዃኑ ሓቢሩ

ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (ሶሻል) ሓገዝ ንምርካብ፡ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ከም ረቛሒ ክውሰድ ዘኽእል እማመ ብመንግስቲ ከምዝቐረበ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሓቢራ።

ሓገዛት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝደሊ ሰብ፡ ቋንቋ ሽወደን ክመሃር (SFI) ወይ ድማ ንዕኡ ዝመጣጠን ትምህርቲ ክመሃር ክግደድ እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ኣብ ገጻት ፌስቡካ ሓቢራ።

እዚ ናይ ሕጊ ለውጢ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2021፡ ኣብ ተግባር ክውዕል ምዃኑ ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ሓድሽ እማመ፡ ስደተኛታት፡ ቋንቋ ንኽመልኩን ምስ ሕብረተ ሰብ ክወሃሃዱን ንዕዳጋታት ስራሕ ድሉዋት ንኽኾኑ፡ መንግስቲ ካብ ዘካይዶም ጻዕርታት ሓደ ምዃኑ፡ ሃሊንግሪን፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com