Friday , March 29 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ንመንእሰያት ዝምልከት ናይ ኣባይቲ ልቓሕ ንኽህብ መጽናዕቲ ጀሚሩ

ኣብ ሽወደን፡ መንበሪ ገዛ ክትገዝእ ኣብ ትሓስበሉ እዋን፡ ካብ ባንክ ኣባይቲ፡ ልቓሕ ንኽትረክብ ምእንቲ፡ ካብቲ ጠቕላላ መጠን ዋጋ፡ 15% ከም ትሕጃ ክትከፍል ይግባእ።

መንእሰያት ሽወደን፡ ንመጠን ዋጋ ትሕጃ ክረኽቡ ይሽገሩ ስለዘለዉ፡ ነዘን 15% ብዝምልከት፡ ካብ መንግስቲ፡ ብመልክዕ ድሒሩ ዝኽፈል ሓገዝ ንኽረኽቡ ንዝቐረበ ሓሳብ፡ ብወገን መንግስቲ፡ መጽናዕቲ ክግበር ከምዝተጀመረ ተፈሊጡ።

ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ክውዳእ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንተድኣ ጸዲቑ ድማ ኣብ ዓመተ 2022 ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ መንግስቲ ሓቢሩ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ማሕበር ተኻረይቲ፡ እዚ ጉዳይ ተግባራዊ እንተድኣኮይኑ፡ ጠንቂ ምውሳኽ ዋጋታት ኣባይቲ ከይከውን ስግኣቱ ገሊጹ።

ነቲ ብማሕበር ተኻረይቲ  ዝቐረበ ስግኣት ኣመልኪቱ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ኣባይቲ፡ እቲ ስግኣት፡ ብጣዕሚ ትሑት እዩ ምኽንያቱ ንውሱን ክፋል ዕዳጋታት ኣባይቲ ዝጸሉ ስለዝኾነ ክብል ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com