Thursday , April 25 2024
Employment Minister Eva Nordmark (S). Foto: Stina Stjernkvist / TT / kod 11610

መንግስቲ ሽወደን፡ ንድጎማ ዕዳጋታት ስራሕ፡ ቢልዮናት ክሮነር ሰሊዑ

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ንዕዳጋታት ስራሕ ንምስሳን ብምባል፡ ኣስታት 8 ቢልዮን ክሮነር ሰሊዑ ከምዘሎ ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኤቫ ኖርድማርክ፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብቲ ተሰሊዑ ዘሎ መጠን ገንዘብ፡ 2,5 ቢልዮን ክሮነር ንደለይቲ ስራሕ ክምደብ ምዃኑ፡ 1.2 ቢልዮን ክሮነር ድማ ስራሕ ንምድላይ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ንኽወሃብ ተመዲቡ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ናይ ስራሕ ኣልቦነት ክፍሊት ውሕስነት ንምርካብ ዝወስድ ዝነበረ ግዜ፡ ንግዚኡ ካብ ሽዱሽተ መዓልታት ናብ ክልተ መዓልታት ወሪዱ ምህላዉ ብሚኒስተር ኖርዲክ ዝቐረበ እማመ ከም መርተዖ ናይቲ ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ዘሎ ጸገማት ጌራ ኣቕሪባቶ ኣላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com