Thursday , April 25 2024
Naina Helen Jåma/TT

መንግስቲ ሽወደን መጻኢ ንድፊ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢኡ ዕላዊ ጌሩ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ Margot Wallström ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሰለስተ ጽማቚ ቀዳምነታት ኣቐሚጣ’ላ።

– ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትም – ዓለማዊ ሰላምን ጸጥታን – ዲፕሎማሲን ዘተን ወፍሪ ምዕቃብ ዴሞክራሲን ንባይቶ ብምጽዋዕ ኣብ ኣውሮጳን ዓለምን ዴሞክራሲ ንምዕቃብ ብፍላይ ድማ ካብቶም ኣብ ዴሞክራሲ ዘይኣምኑ ሕሉፋት የማናውያን ንምዕቃብ ክንቀሳቐስ ጸዊዓ’ላ።

“ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ምትሕግጋዝ ሃገራት ተወፋይነት እምነት ኣለወን ዝብል እምነት የብልናን” ኢላ። ኣብ መደረኣ ተራ ደቀንስትዮ ኣብ መድረኽ ጒዳያት ወጻኢ ንምዕባይ እውን ከም እትሰርሕ ኣስሚራትሉ’ላ።

ብኻልእ ሸነኽ Valström ድሕነት ሽወደን ምስ ሃገራት ኖርዲክን ኣውሮጳዊፖሊሲ ሕብረትን ኔቶን ብምስራሕ ኣብ ኣብ ምርግጋእ ኣውሮጳ ተራኡ ክጻወት እዩ ኢላ።

ብዘይካዚ ምስ ኣመርካ ዝህሉ ክልተኣዊ ዝምድና ክሕሎ ይግባእ ኢላ’ላ። ንዓለምና ካብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሓራ ንምግባት ዝግበር ምንቅስቓስ ሽወደን ክትድግፍ እያ።

ኣብ ጒዳይ እስራኤልን ፍልስጤምን ክልተ መንግስታት ክህልዋ ዝብል ፍታሕ ሽወደን ክትደፍኣሉ እያ። ሩስያ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ንእትኽተሎ ተጻብኦ ድማ ኮኒና።

ኣብ ቻይና ዘሎ ኲነታት ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላን እውን ከም ዘተሓሳስባ ጠቒሳ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com