Friday , March 29 2024
Andreas Hillergren/TT

መንግስቲ ሽወደን ንገበን ዳዕሽ ዝምርምር ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐዉም ጻዕርታት የካይድ ።

ሃገረ ሽወደን ነቶም ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዓስኪሮም መዘና ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ህልቂት ደቂ ሰባትን ዘካየዱ ኣሸበርቲ፣ ጉዳዮም ዝርእይ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐዉም ተበግሶ ብምዉሳድ ሰፊሕ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ መንግስታዊ ተበግሶ ሽወደን ክዓምም መዝነት ዝተዋህቦ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳንባርይ፣ ኣብዚ ሰሙን ንተበግሶ ሽወደን ንምርዳእን ደገፍ ንምድላይን ናብ ሃገራት ኤዉሮጳ ዑደት ብምግባር፣ ካብ መንግስታት ሆላንድ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ሙሉእ ደገፍ ከምዝረኸበ ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት ሽወደን ኣብዚ ጉዳይ ዝዝቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ምምኽኻር ዋዕላ ከተዳሉ ምዃና እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብዙሓት ወገናት ድሮ ድሌትን ደገፍን እኳ እንተርኣዩ፣ ምስ ኩነታት ሶርያን ዒራቕን ብምምዝዛን እዚ ዕማም ቀሊል ከምዘይከዉን ተንተንቲ ይዛረቡ፣

ሽወደን ድሮ ብዳዕሽ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ገበናት ዝሕዝግዝ ናይ መሰኻኽር ቃልን ጭብጥታትን ትእክብ ከምዝጀመረት ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com