Saturday , April 20 2024
Henrik Montgomery/TT

“መንግስቲ ብዙሕ ነቀፊታ ካባና ክመጾ እዩ” ተቓወምቲ ሰልፊታት

ተቓወምቲ ሰልፊታት ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ነቲ ብልፍንቲ ሶሻል ዲሞክራትስ ሓምላይ (ሚልዮ) ሰልፊታትን ዝቘመ መንግስቲ ብነቐፌታ ኮፍ ምባል ከም ዝኸልእዎ ብዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣፍሊጦም።

ማእከላይን ሊበራላዊን ሰልፊታት ኣብቲ መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ Stefan Löfven እተመርጸሉ መድረኽ ክርስትያን ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ከምኡውን ሰልፊ ሞደራት እዚ ሓድሽ መንግስቲ ንምምራጹ ምሕዛኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ዴሞክራትስ ሽወደን ምስ ካሎኦት ሰልፊታት ብምዃን ሓደ ቀጽሪ ብምቛም ኣንጻር መንግስቲ ክፋለሙ ብዓርቢ ንዘቕረቦ ሓሳብ ግና መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራትስ Ebba Busch Thor ውዱቕ ጌራቶ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com