Friday , April 26 2024

መንግስቲ ንሓተቲ ዕቚባ ዝወሃብ ሓገዝ ክጸንዕ ከም ዝደሊ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ኣፍሊጡ!!

ሚኒስተር ፍትሒን ኢሚግሬሽንን ሞርጋን ዮሃንስ መንግስቲ ንሓተቲ ዕቚባ ዝወሃብ ሕጊ ረድኤት ጹኑቕ ክኸውን ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ሚኒስተር ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ መንግስቲ ነቶም ኣብ “ከቢድ ምውሳንን ቊጠባዊን ማሕበራዊን ብድሆታት ዘለዎም ከባቢታት” ኣባይቲ ክወሃቦም ዝሓተቱ ሓተቲ ዕቚባ ዝህቦ ሓገዛት ከቋርጾ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። እዚ መንግስታዊ ውሳነ ኣብ 73 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ  ዝተመርኮሰ ኮይኑ ኣብ መንጐ ሰልፊታትን መንግስቲ ስቲፈን ሉፈን እተኸተመ እዩ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ዝያዳ ውሕስነት ዘለዎም ከባቢታት ንኽቕመጡ ንምትብባዕ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ሚኒስተር ኣብ ገለ ከባቢታት ክትነብር ምምራጽ ናብ ዘየድሊ ምግላልን ምምሕዳር ከተማ ዝህቦኦ ድሕነታዊ ሓገዛት ኣብ ምሃብን ዕንቅፋት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com