Wednesday , April 17 2024

መከላኸሊ ጸሓይ ዘፍርያ ኩባንያታት ሕጊታት ኣይስዕባን ኣለዋ ተባሂሉ!!

ትካል መድሃኒት ሽወደን መከላኸሊ ጸሓይ ተባሂሉ ዝፈሪ ቅብኣታትን ክሬማትን ምስ ሕጊታት መድሃኒት ሽወደን ኣይከይድን ኣሎ ክብል ወቒሱ። ንኣብነት ኣብቲ ብልቃጣት ኣድላዪ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ የብሉን ክትብል ሻርሎት ዦርቤክ ወቒሳ።፡

ንሳ ብጹሓት ክሳብ 6 ማንካ መከላኸሊ ጸሓይ ክወስዱ ዝግብኦም ብዙሓት ሰባት ከምኡ ኣይገብሩን ዘለዉ ኢላ። ኣብ መላእ ዓለም መንሽሮ ቆርበት እናዓበየ ምምጽኡን ብፍላይ ኣብ ኒውዚላንድ ኣውስትራልያን ስዊትዘርላንድን ብዙሕ ከም እተራእየ ተሓቢሩ። “ኣብ ሽወደን ጸሓይ ንፈትዋ ኢና ግን ምጥንቃቕ ድማ ኣገዳሲ እዩ” ይብል ፕሮፈሰር ቈርበታዊ ጒዳያት ካሮሎንክስካ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com