Saturday , April 20 2024
Ida Guldbæk Arentsen

መዓልቲ ፍቑራት (Valentine’s Day)

እቲ ፍቑራት ህያባት ዝለዋወጡሉን ፍቕራዊ ቃል-ኪዳኖም ዘሐድሱሉን መዓልቲ ፍቑራት፡ ዓመት መጸ ኣብ ለካቲት 14 ይበዓል። ዝተፈላለዩ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ ምቁር ሕብስቲ፣ ቶርታ፣ ፍሉይ ናይ ሽምዓ ምሸትን ካልእ ነዚ መዓልቲ ዘንጸባርቑ ምድላዋትን ብምግባር፡ ፍሉይ ትሕዝቶ ዘለዎም ካርተሊናታትን ዕምባባታትን ብምድላው ዘኪሮሞ ይውዕሉ።

ንምዃኑ ኣፍልጦና ብዛዕባ ኣመዓባብላ መዓልቲ ፍቑራት ክሳብ ክንደይ እዩ?

ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ መዓልቲ ፍቑራት (ቫለንታይን ደይ) ዝጸውዩ ዛንታታት መብዛሕትኦም ዝመሳሰሉ’ኳ እንተኾኑ ኣብ ገለ ግን ንኣሽቱ ፍልልያት ኣይሰኣኖምን። መብዛሕትኡ ግዜ ዝንገር ዛንታ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ታሪኻዊ ኣመዓባብላ መዓልቲ ፍቑራት ካብ 270 ድ.ል.ክ ንደሓር እዩ ዝጅምር። ኣብ ፈለማ 4ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ፣ ጥንታዉያን ሮማዉያን ምስቲ ኣብቲ እዋን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ጣኦት ሉፐርከስ ዝተኣስሰረ ብፌስቲቫል ሉፐርካልያ ዝፍለጥ ዓመት-ዓመት ብዘይተመርዓዉ ኣባጽሕ ዝዝዉተር ወግዒ ሕርያ መጻምዲ ነበረ።

እቲ ወግዒ ዝካየደሉ ኣገባብ፡ ኣስማት ጎራዙ ኣብ ጭራም ወረቐት ብምጽሓፍ ኣብ ሳርማ ይቕመጥ’ሞ ዝኾነ በጽሒ ናብ ዉሽጢ’ቲ ሳርማ ኢዱ ብምልኣኽ ዕጭኡ የልዕል።

ብድሕሪ’ዚ እቲ በጽሒ ምስ ዕድሉ ዝሃበቶ ጎርዞ ተጻሚዱ ክሳብ ንዓመታ ብተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ካልእ ዕጫ ዝወድቕ ብሓንሳብ የሕልፍዎ። ብኡ ኣቢሎም’ዉን ክሳብ ሓዳር ክምስርቱ ይኽእሉ።

እዚ ወግዒ’ዚ ካብ ዝጀመረሉ ድሕሪ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ቀዳሞት ሊቃዉንቲ ጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ ነዚ ወግዒ’ዚ ከትርፍዎ ደለዩ። መተካእትኡ ድማ ቀሺ ቫለንታይን ዝዝከሩላ መዓልቲ ክፈልዩ ተረዳድኡ።

ቀሺ ቫለንታይን ኣብ ድሮ’ቲ ፌስቲቫል ሉፐርካልያ ዝበዓለሉ ዝነበረ መዓልቲ እዮም ዓሪፎም። ድሕሪ ዕረፍቶም ቫለንታይን ቅዱስ ተሰምዮም። ኣብቲ ድሒሩ ዝመጸ ዓመታት፣ ንግስነት ሮማ፣ ንክርስትና ከም ሃይማኖት እናተቐበለ ዝመጸሉ እዋን ነበረ።
ስለዚ እምበኣር ፌስቲቫል ሉፐርካልያ ኣረማውን ዘይክርስትያናዉን ብምንባሩ ካህናት ኣብያተ ክርስትያን ሮማ ነቲ ብ15 ለካቲት ዝበዓል ዝነበረ በዓል፡ ብ14 ለካቲት ብምትካእ ፌስቲቫል ሉፐርካልያ ብመዓልቲ ቫለንታይን ከም ዝትካእ ገይሮም።
በዚ ድማ ኣብዚ ግዜ’ዚ እዚ መዓልቲ እዚ ኣብ ክንዲ ብስም ጣኦት ሉፐርከስ ብስም ቅዱስ ቫለንታይን ይበዓል ኣሎ። ኣብዚ ግን እቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነ ትርጉም ናይቲ መዓልቲ’ዉን እዩ ተለዊጡ፦ ካብ መዓልቲ ኣምልኾ ናብ መዓልቲ ፍቕሪ።

ቀሺ ቫለንታይን ኣብ ጥቓ ሮማ ኣብ ዝነበረት ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ከም ካህን ኮይኖም የገልግሉ ከም ዝነበሩ ብኣፈታሪኽ ይንገር። እቲ እዋን ሮማ ኣብ ደማውን ደገፍ ህዝቢ ዘይነበሮን ኲናት ተሸሚማትሉ ዝነበረት ግዜ እዩ። ብሰንኪ’ቲ ኲናት፣ ሰላምን ርግኣትን ንግስነት ሮማ እናተዘርገ ይኸይድ ነበረ።

ከም ዉጽኢቱ ኣብቲ ግዝኣት ብዙሕ ለዉጥታት ተራእዩ። ጉድለት ብቑዕ ምሕደራ፣ ዉሽጣዊ ሲቪላዊ ግጭት ኣለዓዒሉ። መጠን ግብሪ ወሲኹ። ንግዲ ብሓደገኛ ኩነታት እናዛሕተለ ከይዱ። ከምኡ’ዉን ኣብ ሰሜን ኣዉሮጳን ኤስያን ዝመደበሮም ከም ጋዉል፣ ስላቭ፣ ሃንስ፣ ቱርክን  ሞንጎልያን ዝኣመሰሉ ግዝኣታት ኣብ ዶባት ግዝኣት ሮማ ተጻብኦታት ክፈጥሩ ጀመሩ።

እቲ ንግስነት ብሰንኪ ናይ ዉሽጥን ግዳምን ተጻብኦታትን ብድሆታትን ዉራዩ ገፍሖ። ናይ ምኽልኻል ዓቕሙ ክብ ንምባል ካኣ ብቑዓት ዓሳክር ምምልማል ግድነት ኮኖ።

ንጉስ ክላውድዮስ ሰብ ሓዳር ሰብኡት ተደናገጽትን ምስ ሓዳሮም ፍሉይ ስምዒታዊ ምትእስሳር ዘለዎምን ስለዝኾኑ ንዕስክርና ብቑዓት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ኢሉ ብምእማን ነቲ ብቑዓት ዓሳክር ናይ ምምልማል ህርፋኑ ግሁድ ንምግባር መርዓ ዝእግድ ሕጊ ኣዉጽአ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ቀሺ ቫለንታይን ተኻፋሊ ሽግር ፍቑራት ብምዃን ንፍቑራት ብምስጢር ቃል-ኪዳን የእስርዎም ነበሩ። ንተግባራት ናይዞም መሓዛን ተደናጋጽን ፍቑራት ከም ዝነበሩ ዝንገረሎም ካህን ዝሰምዐ ንጉስ ክላውድዮስ፣ ቫለንታይን ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽኣትው ኣዘዘ።

ንጉስ ክላውድዮስ ብግርማን ጽኑዕ እምነትን ቫለንታይን ተመሲጡ ጣኦት ሮማ ክገብሮም ሓሊኑ’ኳ እንተነበረ ቀሺ ቫለንታይን ግን ንጣኦት ኣፍልጦ ከም ዘይህቡ ብምግላጽ ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ነቲ ንጉስ ካብ እምነቱ ክልውጥዎ ፈተኑ።

ከምኡ ብምግባሮም ብጎመድ ክቕጥቀጡን ርእሶም ተሰይፉ ሂወቶም ክትሓልፍን እቲ ንጉስ በየነሎም። ኣብ 270 ድ.ል.ክ ልክዕ ኣብ ለካቲት 14 ድማ ቫለንታይን ንስለ’ቲ ዝኣመኑሉ ዕላማ መስዋእቶም ፈጸሙ።

እቶም ምስ ኣፍቀርቶምን ኣፍቀርተንን ብቃል-ኪዳን ተኣሳሲሮም ናይ ምንባር ሕልሞም ክበንን ዝተራእዮም መንእሰያት ሮማ ብሞት ቀሺ ቫለንታይን ብዙሕ ሓዘኑን ኣስተንተኑን።

ሓንቲ ንሓልዮት ቫለንታይን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሮማ ዝተገንዘበት ጓሉ ነቲ ንቫለንታይን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሒዝዎም ዝነበረ ሓላፊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ፣ ንቫለንታይን ኣብ ማእሰርቲ እንከለው እናተመላለሰት ትበጽሖም ከም ዝነበረት ዝሕብር ኣፈታሪኽ ኣሎ።

ቀቅድሚ ሂወቶም ዝሓለፈትላ ህሞት ቀሺ ቫለንታይን ብርዕን ወረቐትን ካብቲ ሓላፊ ብምዉሳድ “ናትኪ ቫለንታይን” ዝብል ሓረግ ዝርከቦ ናይ ደሓን ኩኒ ደብዳበ ነታ ጓል ጽሒፎምላ ከም ዝነበሩ ይንገር። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚሩ እምበኣር’ዩ መዓልቲ ቫለንታይን ከም መዓልቲ ፍቑራት ክበዓል ዝጀመረ።
እዛ “ናትኪ ወይ ናትካ ቫለንታይን” እትብል ሓረግ ክሳብ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ዝግበር ምልውዋጥ ፍቕራዊ መልእኽትታት ዝውትርቲ ሓረግ ኮይና ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com