Saturday , April 20 2024
Stina Stjernkvist/TT

መዘወሪ መኪና ፍቃድ ዘይብሉ ዘዋራይ ን ኣምቡልናስ መንገዲ ይዓጹ።

ትማል ንግሆ ሓንቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ዝወረዳ ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል እተብጽሕ ዝነበረት ኣምቡላንሳ መምርሒ ፍቓድ ብዘይብሉ ዘዋር መኪና ከም እተዓግተት ተገሊጹ።

እዛ ኣምቡላንሳ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ተልእኾ ምህላዋ ንምምልካት ሰማያዊ መብራህቲ እኳ እንተወልዐት እቲ ዘዋር መኪና ምትሕብባር ምእባዩ እዩ ተገሊጹ።

እዚ ፍጻመ ኣብ börlänge መንገዲ ቁ 50 ከም ዘጋጠመን እቲ ምዕጋት ንትሽዓተ ደቓይቕ ምጽንሑን ተሌቪዥን ሽወደን ገሊጻ’ላ።

እዚ ሰብኣይ ነዚ ተግባር ስለምንታይ ከም ዝወዓሎ እኳ እንተዘይፈለጠ መምርሒ ፍቓድ መኪና ዘይብሉ ምዃኑ ምርግጋጾም ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ።

“እዚ ሰብኣይ ነዚ ተግባር ደይ መደይ ኢሉ ብኽፍኣት ውዕልዎ እንተኾይኑ ዘሕዝን እዩ” ክብል ኣፈኛ ፖሊስ Mats Oehman ንጋዜጣ Dalarna ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ሰብኣይ ኣምቡላንሳ ብምዕጋቱን ብሸለልትነት ብዘይ መምርሒ ፍቓድ መኪና ምዝዋሩን ኣብ ጠርጠራ ኣእትይዎ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com