Friday , March 29 2024
ብናስሮቪች

መጋበርያ ክኸውን ኣይተፈጠርኩን!

ብናስሮቪች

Nature ንነፍሲ ወከፍና ብስምና እያ ትፈልጠና። ነዚ ዝኸውን ማእለያ ዘይብሉ ሳየንሳዊ መርትዖታት ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ኣሰር ኣጻብዕና’ኳ ይፈላለ እዩ። ካብቶም ናብ ርሕሚ እኖኻ ዝኣተዉ ኣማኢት ሚልዮናት ዋህዮ ዘርኢ እቲ ሓደ ዕዉት እዩ ብውህደት እንቋቑሖ ሰሪሑካ። ዝተፈልየ ዋህዮ እንተዝዕወት “ንስኻ” ኣይምኾንካን። ኣብዚ ደርማስ ጠፈር ብዂለንትናኡ ንኣኻ ዝመስል ሰብ ኣይነበረን፥ የሎን፥ ንዘለኣለም ከኣ ኣይክትድገምን ኢኻ። እዝስ ንኣእምሮ’ውን ዝኸብድ እጹብ ድንቂ ነገር እዩ!

ሰብስ ይትረፍ እዛ እንነብረላ ዓለም’ኳ ምስዚ ዓርሞሽሽ ጠፈር እንክትወዳደር፥ ኮታ zoom out እናገበርካ ምስ እትኸይድ ኣዝያ ኣዝያ ኣዝያ ኣዝያ ኣዝያ ደቒቓ ናብ ዘይምህላው እያ ትወሓጥ። ኣብቲ ዝዓበየ ስእሊ ኣእቲና እንክንርእዮ ብዘይካ ጠፈር ባዕሉ ዓብዪ ዝበሃል የለን። እዚ ንባዕሉ ዓብዪ ቀለብ ፍልስፍናን ምስትንታንን እዩ። “እዚ ጠፈር እንታይ ግበር እዩ ዝብለኒ ዘሎ፥ ንኣእምሮ ክሳብ ዝኸብድ ዓብዪ እናሃለወ ንኣይ ደቂቕን ውሱንን ፍጡር ብ ስመይ ፈልዩ ዝጽዋዓኒስ እንታይ ኮን ደልዩኒ’ዩ? እቲ ዝሓሸ ኣገባብ መንብሮ ከመይ ዝበለ እዩ? ብስሩኸ ትርጒም ናይዚ ኲሉ ቊጻር እንታይ እዩ?

ፍልስፍናን ሃይማኖትን እዚ ሕቶታት እዩ ወሊድወን። ዛጊት ነዚ ሕቶ መልሲ ኣሎና ዝብላ ሚልዮናት ሃይማኖታት ኣለዋ። ፍልስፍና ነዘን ሕቶታት ቅድሚ ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመታት እኳ ብውዱድ ኣገባብ እንተልዓለን ከምዛ ኣብ ዓሚቚ ሰልሚ እተዋሕጠ ምንቕ’ውን ኣይበለን። አረ ገሊኦም ፈላስፋታትስ “እዚ ሕቶ ብዓንደርእሱ ቅኑዕ ድዩ” ዝብል ምርምር ኣበጊሶም ኣለዉ። ገሊኦም ተረካብ ዘረባ ነዚ ኲነት “እቲ ዝዓበየ ዳእላ ህላወ” ብምባል ይገልጽዎ።

ንፍልስፍና ከም ሶቅራጦስ ካብ ሰማየ ሰማያት ናብ ምድርና ነውርዳ…ሓንሳብ! ብወገነይ ካብዚ brute ሓቂ ዝተመሃርኩዎ ነገር እንተሎ ሰብ ብውልቁ intrinsic value ዘለዎ ፍጡር እምበር መጋበርያ ክኸውን ከም ዘይግባእ እዩ። ሰባት ኣካላዊ ኣእምሮኣዊን መንፈሳዊን ዕቚር ተኽእሎና ክሳብ’ቲ ክኸዶ ዝኽእል ርሕቀት ንምግሃድ እምበር መጋበርያ ካልእ ኣካል ክንከውን ምስሕጊ ተፈጥሮ ኣውን ዝሳነ ኣይኮነን። ነዚ ተፈጥሮ ዝሃበትና ፍሉይ መሰል ብሽፋን ዝኾነ ይኹን ውዳበ ክምንዝዕ ዝህቅን ምንቅስቓስ ዝተረግመ እዩ።

ካልእ ሰብ ኣብቲ ዝሰርሖ “ፒራሚድ” ሕጡብ ወይ ዕንጸይቲ ኮይኑ ንኽገልግል ንእኡ እተፈጥረ ዝመስሎ ዲታቶርን መሰልቱን ሕልሚ ሰብ እናቐተሉ ይነብሩ ኣለዉ። ሰብ ንባዕሉ ሸቶ(end) እምበር መጋበርያ( means) ኣይኮነን። ምድሪን ፍጡራታን ንኣይ እዮም ተፈጢሮም ዝብል ኣተሓሳስባ ምስ ስሱዕ ሸውሃት ካፒታሊዝም ተሓዊሱ ንምድሪ ህይወት ኣልቦ ፕላኔት ናብ ምግባር ኣደናዲንዋ’ሎ።

ኩሉ ውዳበ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንፍጹም ውልቃዊ እንታይነትናን ዕቚር ዓቕናን ክሳብቲ ዓቕምና ዝፈቕዶ ጠርዚ ንምብጻሕ ብዘኽእል መገዲ እንተ ዘይተሃኒጹ ከንቱ እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ከም ውልቃዊ ህላዌን intrinsic value ዘለዎን ፍጡር ዘይኮነ ከም መጋበርያ ጥራይ ዝርእዮ ስርዓት ጎኒፍዎ ሕልሙ ተመንዚዑ ይርከብ።

እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሰዓር ጸላኢ መጋበርያነት እዩ!

መጋበርያ ክኸውን ኣይተፈጠርኩን!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com