Thursday , April 18 2024

መጠንቀቕታ ካብ ማእከል ሜትሮሎጂ ስዊድን

ብመሰረት ሓበሬታ ማእከል ሜትሮሎጂ ማዕበል ውርጪ ኣብ ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ክወድቕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝቕጽላ ሰዓታት 25 ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ኣብ ዞባታት ኣፕሳላ ስቶክሆልምን ያቭለቦሪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ካኣ ካልኣይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

እቲ ማእከል ኣቐዲሙ ኣብ ዳላርና ኦሬቦን ፋርምላንድን ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ቀዳማይ ክላስ መጠንቀቕታ ድሮ ኣመሓላሊፉ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ማዕበል ኣልቨንዳ ብምኽሳታ ኣሽሓት ስድራቤታት ሽወደን ኣገልግሎት ኤለትሪክ ተቛሪጽወን እናሃለወ እዩ።

እቲ ብዝበርትዐ ተሃስዩ ዘሎ ዞባ ኖርዝ ኢስተርን ኮይኑ ዛጊት 8800 ኣባይቲ ክሳብ ሎሚ ኤለትሪክ ተቛሪጽወን ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com