Thursday , March 28 2024

መጠንቀቕታ ካብ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ስዊድን

ካብ ፈለማ ሰዓታት ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዝበዝሑ ክፋላት ሽወደን ብርቱዕ ማዕበል ከጋጥም ምዃኑ
በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ስዊድን ኤስ.ኤም.ኤች.ኣይ (SMHI) ንኻልኣይ ግዜኡ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

ሰባት ካብ ዝወድቁ ኣግራብ ክጥንቀቑ ኣድለይቲ ነገራት ኣብ ጓሮ ከይገድፉን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ብሰንኪ ዝመጽእ ማዕበል ትራፊክ ባቡር ኣዝዩ ክጽሎ ምዃኑ’ውን ተነብዩ”ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ብሰንኪ’ቲ ትማል ኣብ ስቶክሆልም እተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ 100000 ኣባይቲ
ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ ምትራፈን ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ማእከል ሜትሮሎጂ እዚ ኣሃዝ ክውስኸ ተኽእሎ ኣሎ።

ብርቱዕ ንፋስ ዘውደቖም ኣግራብ መንገዲ ብምዕጋቶም ኣብ ጎደናታት ስቶክሆልምን ከባቢኣን ፍሰት ትራፊክ ተኣጓጒሉ’ሎ።

እዚ ኣብ ዞባ ባልቲክ ብፍላይ ድማ ጎትላንድን ስቨላንድን እቲ ዝበርትዐ ህቦብላ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እዚ ኣልፍረዳ ዝተሰምየ ህቦብላ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ንሓንቲ ካብ ሽወደን ናብ ፊንላንድ ትጐዓዝ ዝነበረት ሰንጣቒት መርከብ ከም ዘተኣጓጐላ ይፍለጥ።

ናብ ሽወደን ኤስቶንያ ፊንላንድን ዝግበር ብርክት ዝበለ ጒዕዞ ሰንጠቕቲ መራኽብ ምስራዙ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com