Friday , April 26 2024
SMHI warns of ice on Öland and southern Gotland Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

መጠንቀቕታ ካብ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ

ብሰንኪ ኣብ ዝዓበየ ክፋል ስካንደናቪያ ተፈጢሩ ዘሎ ትሑት መጠን ጸቕጢ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን፡ በረድን ህቦብላን ከጋጥም ከምዝኽእል፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ደቡባዊ፡ ደቡባዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምብራቕን ባሕሪ ባልቲክ፡ ክሳብ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ህቦብላዊ ኩነታት ክሃድእ እኳ እንተተራእየ፡ ሎሚ ግን፡ እቲ መጠን ክውስኽ ከምዝኽእል ክኢላ ሜትሮሎጂ፡ ኣና በልኪንየ፡ ገሊጻ።

ትማሊ ሰንበት ውን፡ ኣብ ከባቢታት ኡላንድን ደቡባዊ ዮትላንድ፡ በረድ ክወርድ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ኩነታት ኣየር፡ ናብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ክልሕም ከምዝኽእልን ዝሑል ኩነታት ኣየር ክህሉ ምዃኑን፡ ከምውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ጽርግያታት፡ በረድ ክፍጠር ተኽእሎታት ኣሎ ክትብል፡ በልኪንየ፡ ወሲኻ ገሊጻ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን፡ ተቐያያሪ ኩነታት ኣየር ክህሉ ከምዝኾነን፡ ኣብ ሰሜን ሽወደን ግን፡ ጠሊ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ እዩ ክብል እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ኣብ ባሕሪ ኖርወይ ዝተፈጥረ ትሑት መጠን ጸቕጢ፡ ኣብ ከባቢ ኖርላንድ፡ ውርጪ ጥሉል ውርጪ ክህሉ ምዃኑ በልኪንየ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com