Friday , March 29 2024
Thomas Wahlberg, infectious disease physician in the Västra Götaland region. Foto: Adam Ihse / TT / kod 9200

መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ይጎድል ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ሽወደን፡ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ እናጎደለ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ንመበል ካልኣይ ሰሙን ብተኸታታሊ ክጎድል ከምዝተራእየን፡ 787 ሓደስቲ ሰባት ብኮቪድ ከምዝተለኽፉን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ ብ 45% ምጉዳሉን ተገሊጹ።

እቲ ናይ ቁጽሪ ምጉዳል፡ ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመ ብንጹር ክረአ ከምዝኸኣለ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት እቲ ምምሕዳር፡ ቶማስ ዎልቤሪ፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝረአ ጸቕጢ ከም ዘይጎደለን እቲ መልከፍቲ ናይ ምጉዳል ተርእዮታት ድማ ቀጻሊ እዩ ዘሎ ኢልካ ክትዛረበሉ ትኽእል ግዜ ኣይኮነን ክብል፡ ዎልቤሪ፡ ገሊጹ።

ሎሚ፡ ዕለት 29 መስከረም፡ ዝበዝሑ ለበዳ ኮቪድ ንምጉዳልን ንምቁጽጻርን ተባሂሎም ዝተደንገጉ መምርሒታት ኮቪድ፡ ከብቅዑ ምዃኖም፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር፡ ዝበዝሑ ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ንኽወስዱ ብምምራጾም፡ እዚ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ክገትእ ዝኽእል መስርሕ እዩ ክብል፡ ዎልቤሪ፡ ዘረብኡ ደምዲሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com