Thursday , April 25 2024

መጥቃዕቲ ኣንጻር ናይ ቁጠባ ገበነኛታት

ቁጠባዊ በዓልስልጣን፡ ፖሊስን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ሰሉስ ንግሆ ኣብ እተፈለለየ ቦታታት ሽወደን ፍተሻ ኣካዪዶም። ብዙሓት ሰባት ብናይ ቁጠባ ገበን ተታሒዞም ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ዚምርምር ዘሎ ምምሕዳር ቁጠባዊ ገበን (EBM)፡ ኣስታት 10 ሰባት ብናይ ቀረጽ ምትላል፡ ብናይ ሒሳብ ምስግጋር ገበን፡ ብናይ ገንዘብ ምሕጻብ (ማኒ ሎንድሪንግ)ገበን ተታሒዞም ኣለዉ።

ናይ ሕጽበት ገንዘብ ገበን ኣዚዩ ዓቢ እዩ።

ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ EBM እዞም እተታሕዙ ሰባት ነዳዲ ካብ ሃገራት ኤውሮጳዎ ሕብረት ብምምልላስ ቀረጽ ከይከፈሉ ኪሽቅጡ ስለ እተረኽቡ እዩ። ዘይተኸፍለ ቀረጽ ክሳዕ 20 ሚልዮን ክሩነር ይበጽሕ።

እቲ በዓልስልጣን ብዛዕባቲ እተኻየደ ስርሒትን ኣበይ ከም እተኻየደን ወይ እንታይ ከም እተታሕዘን ኪነግር ኣይደለየን።

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ሰባት ተጠርጢሮም ኣለዉ፡ ንሳቶምን እቶም መሰኻኽርን ድማ ኪምርመሩ እዮም። እዚ ጉዳይዚ ኣዚዩ ተኣፋፊ ብምዃኑ ከም ምስጢር እዩ ተታሒዙ ዘሎ።

እዚ ገበናዊ ንጥፈታትዚ ንኽልተ ዓመታት ኣቢሉ ዚኸይድ ዝነበረ እዩ።

ብመሰረት EBM እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ስኮነን ዮንሾፒንግን ቨስተርኖርላንድን ወረዳታት እዩ ተኻዪዱ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com