Tuesday , April 23 2024
Karina Ljungdahl/TT

መጻኢ መንግስቲ ሽወደን “ሓላፍነት ዘለዎን ሰብኣዊነት ዝመልኦን ፖሊሲ ስደተኛታት ክኽተል” ምክትል ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ጃን ኤልያሰን ጸዊዑ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ነበር ጃን ኤሊያሰን ዝመጽእ መንግስቲ ሽወደን “ሓላፍነት ዘለዎን ሰብኣዊነት ዝመልኦን ፖሊሲ ስደተኛታት ክኽተል” ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ “ስደተኛታት ንሕብረተሰብናን ቊጠባናን ብኸመይ ክጸልዎ ዝብል ሕቶ ብግቡእ ክንትንትን ከድልየና እዩ” ኢሉ።

ምክትል ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ጃን ኤልያሰን ኣብዚ ጽሑፉ” መንግስቲ ኣጠቓላሊ ሓላፍነት ዘለዎን ሰብኣዊን ፖሊሲ ስደተኛታት ክሕንጽጽ ይግብኦ” ድሕሪ ምባል ” መሰል ሓተትቲ ዑቚባ ክሕሎ ብሓፈሻ ንሰብ ማእከል ዝገበረ ፖሊሲ ክነማዕብል ከድልየና እዩ” ኢሉ።

ኢለያሰን ብዘይካቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መዝነቱ ኣቦመንበር ናይ ሓፈሻዊ ባይቶ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሓጺር ግዜ ኸኣ ዴሳዊ ዴሞክራስያዊ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ድማ ኣቦመንበር ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም እዩ።

ቅድሚ ሕጂ”ውን ብዛዕባ ፖሊሲ ስደተኛታት ዘለዎ ርእይቶ ገሊጹ ኔሩ’ዩ። ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ጸጥታዊ ኲነታት ኣፍጋኒስታን ሓድሽ ትንተና ከድሊ እዩ ዝብል ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ብትዊተር ልኢኹ ኔሩ።

ንሱ ንነገራት ብመንጽር ልዮ ኢሉ ዝሰመዮ ከልቡ እናረኣየ እዩ ነዚ መልእኽቲ ትዊተር ልኢኹ። ልዮ ኣብ ስቶክሳንድ ዝርከብ ገዛ እቲ ቤተሰብ እዩ ዝቕመጥ።

“በዓልቲ ቤተይ ሙዚቃ ባኽ ክትጻወት እንከላ ልዮ ከልበይ በጥ ኢሉ ተዛንዩ እዩ ዝሰምዓ ብልቡ ድማ ሓድሽ ምጒዳል ባጀት እናገበርኩም ባህል ኣከባቢን ስደተኛን ክትብድሉ ኣይትበገሱ” እዩ ዝብል ብምባል ከም ምሳሌ ተጠቒሙሉ።

እዚ ልጣፎ ጽሑፍ ኣን ሃበርሊን እትርከቦም ለዘብተኛ ፖለቲከኛታት ነቒፎሞ ኣለዉ።

ንሳ ኣብ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኸቶ ጽሑፍ “ድሎት ዝመሎኦ ሂወት ትነብር ምህላውካ እንቋዕ ሓጐሰካ! ኣብዛ ሃገር ካብ ዘለዉ ዝበዝሑ ጡረተኛታት ከልብኻ ዝሓሸ ሂወት ከም ዘለዎ ነጊርካና” ኢላቶላ።

ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ብ ታግ ኤርላንደር ዝተጣየሰ ኮይኑ ብ 2017 ጃን ኤልያሰን ኣቦመንበሩ እዩ ኔሩ። ታግ ኤልያሰን ካብ ሰልፊ ዴሳዊ ዴሞክራሲ ኮይኑ ኣብ መፋርቕ 60ታት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com