Tuesday , April 16 2024

ሙሓረም ደሚሮክ መራሒ ሰልፊ ማእከላይ ክኸውን ተመሪጹ።

Credit: Johan Nilsson/TT

ሙሓረም ደሚሮክ መራሒ “ሰልፊ ማእከላይ” ክኸውን ተመሪጹ። ኣኒ ሉፍ ነቲ ሰልፊ ካብ 2011 ኣትሒዛ ክትመርሖ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብፍቓዳ መዝነታ ምግዳፋ ዝዝከር እዩ። ደሚሮክ ኣብ ወርሓ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ናብ ባይቶ ሸወደን ተመሪጹ። ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኸኣ ኣፈኛ ፖሊሲ ትምህርቲ እቲ ሰልፊ እዩ ኔሩ። ቅድሚኡ ኸኣ ኣብ ዮንሾፒን “ካውንሲለር ምምሕዳር ከተማ” ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።

“ካብ ኣኒ ሉፍ ስልጣን ተቐቢልካ ነቲ ሰልፊ ምምራሕ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ” ክብል ኣብ ሬድዮ ሽወደን ተንታኒ ፖለቲካ ፍረድሪክ ፉርተንባክ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com