Wednesday , April 24 2024

ሙሪንሆ በቲ ጸቕትታት ኣይተረበሸን

 

ናይ ሆሰ ሙሪኖሆ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ተባሂሉ

ድሕሪ ድኹም ውጽኢትን ተገራጫዊ ኣርእስትን ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ናይ ማንቸሰር ዩናይትድ ዓላማይ ኣብቲ ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ቻምፕዮን ሊግ፡ ሓያል ግጥም ምስ ቫለንስያ ይጽበዮ ኣሎ።

ናይዚ ወርሓትዚ ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ምጅማር ደስ ዘብል ኣይነበረን። እቲ ናይ ሰንበት ምስ ወስት ሃም እተገብረን ብስዕረት እተዛዘመን ግጥም፡ ኣብቲ ናይቲ ፕረምየር ሊግ ግጥሚ ሳልስይ እዩ ነይሩ፡ እቶም ክሳዕ ሕጂ እተረኽቡ ነጥብታት ድማ ኣብቲ ናይ 29 ዓመት ግጥማት እቲ ዝደኸመ እዩ ነይሩ።

ብዘይካ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ቀውሲ ድማ ኣብ መንጎ ሆሰ ሙሪሆስን እቲ ኮኾብ ተጻዋቲ ፖል ፖግባን ባእሲ ነይሩ እዩ። ቅድሚ ናይ ዝሓለፈ ሰሉስ ናይ ቻምፒዮን ሊግ ርክብ ምስ ቫለንሲያ፡ ናይ ዓላማይ ምልዋጥ ዚብል ወረ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ሙሪንሆ ግን ስራሑ ንኸይጠፍኦ ከም ዘይጭነቕ ገሊጹ ኣሎ።

ኣይፋልን፡ ኣይመስለንን፡ ይብል እቲ ፖርቱጊዛዊ ብመሰረት ሮይተርስ።

እቲ ንቻምፕዮን ሊግ ኮኾብ ዝኾነ ሪል ማድሪድ ገዲፉዎ ዝኸደ ዚነዲን ዚዳነ፡ ነቲ ናይ እንግሊዝ ክለብ ኪሕዞ እዩ ዚብል ወረ መስሓቕ እዩ፡ ይብል ሙሪንሆ። ንሱ ገና ነቶም ተጻወትቱ ኪዕቅቦም እዩ።

ገለ ተጻወትቲ ካብ ካልኦት ዚግድሱ ይመስሉ። ድሕሪ 20 ዓመት ገና ገርሂ እየ ዘለኹ፡ ግን ተጻወትቲ ክቡራት ምዃኖምን ኩሉ ዚከኣሎም ከም ዚገብሩን ምእማነይ ክቕጽል እየ።

ሓቅታት፥ ናይዚ ሰሙንዚ ግጥምታት ቻምፒዮን ሊግ

TT

ናይ ሰሉስ ግጥምታትT

ጉጅለ E: ባየንርን ምንሸን- ኣያክስ፡AEK ኣተን–በንፊካ (ክልቲኣተን 21.00).

ጉጅለ F: ሆፈንሃይም–ማንቸሰተር ሲቲ (18.55), ሊዮ–ሻታር ዶነትስክ (21.00).

ጉጀለ G: ሮማ–ቪክቶርያ ፕለትሰን, CSKA ሞስክቫ–ሪል ማድሪድ (ክልቲኣተን 21.00).

ጉጅለ H: ጁቨንቱስ–ያንግ ቦይስ18.55), ማንቸስተር ዩናይትድ–ቫለንስያ (21.00).

ሮቡዕ

ጉጅለ A: ዶርትሙንድ–ሞናኮ, ኣለቲኮ ማድሪድ–ክለብ ቢገ (ክልቲኣተን 21.00).

ጉጅለ B: PSV ኣይድሆቨን–ኢንተር, ቶተንሃም–ባርሰሎና (ክልቲኣተን 21.00).

ጉጅለ C: ፓሪስ SG–ሮዳ ኸርናን (18.55), ናፖሊ–ሊቨርፑል (21.00).

ጉጅለ D: ሎኮሞቲቭ ሞስክቫ–ሻልከ (18.55), ጋላታሳራይ–ፖርቶ (ክልቲኣተን 21.00).

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com