Friday , April 19 2024
Foto: Anders Wiklund / TT, Fredrik Sandberg / TT

ሚልዮናት ክሮነራት ሒዙ ካብ ሃገር ሽወደን ክወጽእ ዝፈተነ ሰብ ተኣሲሩ።

ፖሊስ ሽወደን ሓደ ሰብኣይ ሚልዮናት ክሮነራት ሒዙ ካብ ሃገር ሽወደን ክወጽእ እናበለ ብሰኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

እዚ ሰብኣይ ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ተጠርጢሩ እዩ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣትዩ ዘሎ።

ኣኽባር ሕጊ ነዚ ማእሰርቲ ከናውሖ ወይስ ክለቆ ኣብ ዝብል ሓሙስ መዓልቲ ክውስን እዩ።

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ጀነራል ኣሽራፍ ኣብ ቀረባ እዋናት ከምዚ ዝመስሉ ተመሳሳሊ ገበናት ተራእዮም ከም ዘለዉ ገሊጹ’ሎ።

ንሱ ብተወሳኺ ባንክ-ሽወደን ናይ ብዙሓት ሕሳባት ባንክ ምዕጻዉን ካብ ሽወደን ወጻኢ ሕሳብ ምስ ዘሰጋግሩን ኩባንያታት ዘለዎ ውዕል ምስራዙን ሓቢሩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ወኪላት ወይ ዓማዊል እዘን ኩባንያታት ንዋይ ከሰጋግሩ ናብ ካልኦት ሃገራት ክጒዓዙ ምጅማሮም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ንኣብነት ብዙሓት ሶማላውያን ነበርቲ ሽወደን ኣብ ዓዶም ንዝርከቡ ቤተሰቦም ገንዘብ ንምልኣኽ ስርዓተ-ሓዋላ እዮም ዝጥቀሙ፥ ምኽንያቱ ኣብ ሶማል ስሩዕ ባንካዊ ኣገልግሎት የለን።

ስራሕ እዚ ኩባንያ ሕጋዊን ብበዓልመዚ ፋይናንሳዊ ምክትታል ፍቓድ እተዋህቦን እኳ እንተኾነ ሰባት ብመንገዲ እዚ ትካል ኣቢሎም ኣብ ምስግጋር ገንዘብን ምምዋል ግብረሽብውራዊ ንጥፈትን ከም ዝዋስኡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

ብምዝውዋር ካብ ሽወደን ዝወጸ ገንዘብ ዛጊት ካብ 50 ክሳብ 100 ሚልዮን ክሮነር ኣቢሉ ከም ዝግመት ጀነራል ኣሽራፍ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com