Thursday , March 28 2024

ሚነሶታ – ሰኽራማት ኣዕዋፍ ነበርቲ የሻቕላ

ኣብ ጂልበርት፡ ሚነሶታ ሰኺረን መሳዅቲ ብዝሰብራን ውንአን ብዘጥፍኣን ኣዕዋፍ ዝተጨነቑ ተቐማጦ፡ ናብ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ብምድዋል ሻቕሎቶም ክገልጹ ከምዝቐነዩ ስካይኒውስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዘይከም ካልእ እዋናት፡ ብዙሓት ኣዕዋፍ ንደቡብ ገጸን ስለዘይተሰደዳ ኣብቲ ከባቢ ብዝሒ ኣዕዋፍ ኣሎ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣልኮል ዘለዎም ፍረታት መሮር ኣብዚ ዓመት’ዚ ቅድሚ እዋናቶም ስለዝበሰሉ’ሞ እተን ኣዕዋፍ ብሃነፍነፍ ክበልዕኦም ስለዝጀመራ ከኣ፡ ብስኽራን ሚዛነን ክስሕታ ይረኣያ ኣለዋ። በቲ ኩነታት፡ እተን ብዕድመ ዝነኣሳ ኣዕዋፍ ዝያዳ እተን ዓበይቲ ከምዝህሰያን ናይ ምብራር ሚዛነን ስሒተን ክወድቃ ከምዝረኣያን ስካይኒውስ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ክፍሊ ፖሊስ ጂልበርት፡ እተን ኣዕዋፍ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ናብ ውነአን ክምለሳ ምዃነን ብምጥቃስ፡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ክሻቐሉ ከምዘይብሎምን ናብ ፖሊስ ዝገብርዎ ዘለዉ ቀጻሊ ደወላት ደው ከብሉን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com