Thursday , April 25 2024

ሚኒስተር ሕርሻ ነበር Eskil Eirlandsson ብፍቓዱ ስልጣኑ ምሕዳጉ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ባይቶ ነበር ንኣርባዕተ ደቀንስትዮ ኣባላት ባይቶ ጾታዊ ትንኮያ ፈጺምካ ዝብል ክሲ ምስ ቀረቦ ብፍቓዱ ስልጣኑ ምሕዳጉ ተገሊጹ።

እዚ ሚኒስተር ባይቶ ናይ ማእከላይ የማን መንግስቲ እዩ ኔሩ።   

62 ዝዕድሜኡ ሚኒስተር ሕርሻ  Eskil Eirlandsson ነዘን ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ኣካላተን ይተናኽፈን ከም ዝነበረን በዚ ድማ ሓላፊ ናይቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ሰልፊ ስልጣኑ ክሓድግ ከም ዝሓተቶን ይግለጽ እዩ። 


ብመሰረት Expressen እዚ ፖለቲካዊ ቅለት ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ ኣጋጣሚታት ኣብ ዓመተ 2016 ምግጣሙ ገሊጻ።

ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ኣባል ባይቶ Sesley Tenfjord-Toppbay ሓንቲ ካብተን ጾታዊ ምትንዃይ ዝበጽሐን ምዃና ኣቃሊዓ።


“ኣዝየ እየ ትቘጢዐ፡ ዓቢ ውርደት ዝወረደኒ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ,” ድሕሪ ምባል ኣብ ሓደ ናይ ባይቶ ድራር  Earlandsson ኢዱ ብትሕቲ ጣውላ ብምሕላፍ ኣብ ኣስላፋ ሃሰስ ምባሉ ገሊጻ። 
መራሒ ሰልፊ ማእከላይ የማን  Anderson Wenson ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ብመሰረት ዘቕረብኩሉ ሕቶ Eskel ስልጣኑ ሓዲጉ’ሎ።

እዚ ሓበሬታ ዘይግቡእ ትርጉም ይወሃቦ ምህላዉ የሕዝነና እዩ። ሰልፍና ንኸምዚ ዝበለ ጒዳይ ብሸለልትነት ኣይትርእይን እያ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com