Friday , March 29 2024
Foto: Terje Pedersen / NTB

ሚኒስተር ነዳዲ ኖርወይ Marte Mjøs Persen ብ ኮቪድ-19 ተለኺፋ።

ሚኒስተር ጸዓትን ነዳዲን ኖርዌይ Marte Mjøs Persen (AP) ብሕማም ኮቪድ ከም እተለኽፈት ተገሊጹ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ብኮቪድ-19 ሚኒስተራት እታ ሃገር ክልከፉ ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ።

“ሚኒስተር Mjøs Persen ንገዛእ ርእሳ መርሚራ ነጋቲቭ ውጽኢት ረኺባ እኳ እንተነበረት ትማል ቀትሪ ድሕሪ ዝገበረቶ መርመራ ግና በቲ ሕማም ከም እተለኽፈት ከም እተረጋገጸ ኣብ ሚኒስትር ጸዓትን ነዳኢ ዘይትን ሓላፊ ጒዳያት ፕረስ ቶር በከት ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ።.

ምስታ ሚኒስተር ርክብ ዝነበሮም ኲላቶም ክምርመሩ ተሓቢሮም ምህላዎም እውን እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ሚኒስተር ፍትሒ Emilie Enger Mehl (SP) ከምኡውን ሚኒስተር ፋይናንስ Trygve Slagsvold Vedum (SP) በቲ ሕማም ከም እተለኽፉ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com