Thursday , April 25 2024

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ቤልጄም ኣባላት ዳዕሽ ዝኾኑ ዜጋታት ናብ ቤልጄም ክምለሱ ንዝብል ውሳኔ ቤትፍርዲ ይግባይ ክንብለሉ ኢና ኢሉ።

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ቤልጄም ኣባላት ዳዕሽ ኢኹም ተባሂሎም እተኸሱ ክልተ ዜጋታት ምስ ሽዱሽተ ደቆም ካብ ሶርያ ክምለሱ ንዝእዝዝ ውሳኔ ቤት ፍርዲ መንግስቱ ከም ዝቃወሞን ይረኣየለይ ከም ዝብልን ገሊጹ።

ዝሓለፈ ረቡዕ እቲ ዳኛ ቤልጄም ነዞም ክልተ ዜጋታትን ደቆምን ናብ መሬታ ክትመልሶም ከም እትግደድ ኣፍሊጡ።

እቶም ክልተ ዜጋታት ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኩርዳውያን ዝርከብ መሬት ሶርያ ሆል ዝተባህለ መዓስከር እዮም ተቐዪዶም ዝርከቡ።

እቶም ቆልዑ ኣብ ከምኡ ዝበለ ኲነታት ብምርጫኦም ኣይተወልዱን።

ኣርባዕቲኦም ካብዞም ቆልዑ ኣብ በልጄም ኣባሓጎታቶምን እነሓጎታቶምን ኣለዉ።

ሓደ ካብኣቶም ከኣ ብከቢድ ሕማም ይሳቐ ምህላዉ ይፍለጥ እዩ።

ሓደ ነገር ክንገብር ሓላፍነት ኣሎና” ክትብል ሚኒስተር ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ማጊ ደ ብሎክ ንሬድዮ ቪቲኤም (VTM) ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com