Thursday , April 25 2024

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንጉጅለታት ገበን ኣይክንጻወርን ኢና ይብል

መንግስቲ፡ ብዘይንሕስያ ኣንጻር ጉጅለታት ገበን ከም ዝቃለስ  ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምበሪ ገሊጹ። ዝሓለፈት ዓመት እዞም ጉጅለታት ቅትለትን ናይ ቦምብ መጥቃዕታት ዝፈጸሙላ ጸላም ዓመት እያ ኔራ ዝበለ ዳምበሪ ነዚ ተርእዮ ንምዕጋት ተዓጢቕና ኣሎና ምባሉ TT ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ብዝተኻየዱ 366 ናይ ተኹሲ መጥቃዕታት፡ 47 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 117 ምቑሳሎም ስታቲስቲክስ ፖሊስ የመልክቱ። እቲ ናይ ተኹሲ መጥቃዕቲ፡ ምስ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 10% ምውሳኹ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ቁጽሪ፡ ኣመና ብዙሕን ክንጽመሞ ክንቅበሎን ዘይንኽእልን ኣሃዝ እዩ ክብል እቲ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ መንጐ ምምሕዳራትን ከባቢታትን ዘሎ ኣሃዛት ከም ዝፈላለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ብቑሩብ ምንካዩ ግና ከም ነጥበ መቐይሮ ክረአ ከም ዘይክእል ወሲኹ ኣብሪሁ። እዚ ከም ዝቕጽል ንምርኣይ ዝያዳ ስታቲስቲክስ ከድልየና እዩ ድማ ኢሉ።

ብመሰረት ስታትስቲካዊ ሓበሬታ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ተኹስታት ኣብቲ 5.4% ህዝቢ ሽወደን ዝቕመጠሉ ብቑጠባውን ማሕበራውን ኩነታቶም ዝደኸሙ ዝበሃሉ ምምሕዳራት እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብ ዝመጽእ እዋን፡ መንእሰያት ናብዞም ጉጅለታት ገበን ከይክተቡ ምርግጋጽ፡ ገንዘባዊ ምንጭታቶም ምድራቕን ኣብ ምምሕዳር ከተማታት ወፍሪ ብምግባርን ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለታት ገበን ክንቅጽለሉ ኢና።

ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ 10ሽሕ ሓደስቲ ኣባላት ፖሊስ ናይ ምውሳኽ ሸቶ ሒዙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 33726 ኣባላት ፖሊስ ምህላዎም፡ ዛጊት ቁጽሪ ካብ ኣባልነት ፖሊስ ዝሰናበቱ ውሑድ ምህላዉን፡ በዚ ድማ ሑጉስ ምዃኑን ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ተኣፈፍቲ ከባቢታት ዝህሉ ጸጥታዊ ኩነታት ኣሸጋሪ ከም ዝኸውን እኳ ንግምት እንተኾንና ጻዕርና ፍረ ክህብ እውን ተስፋና ልዑል እዩ ክብል ዳምፐሪ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com