Thursday , March 28 2024
Andreas Hillergren/TT

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ኣብ ኣጽዋር ሶርያ ፍርዲ ክግበር ይጽውዕ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን Mikhail Damberg ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎም ወተሃደራት ዳዕሽ ኣብ ዝተማረዂሉ ቦታ ክፍረዱን ናብ ሽወደን ከይምለሱን ጸዊዑ።

እዚ ዝበሃል ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሰንበት ድሕሪ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ እዩ። ንሱ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ንእተማረኹ ወተሃደራት ዳዕሽ እንድሕር ክፈርዳ ድሉዋት ዘይኮና ናጻ ክለቆም ምዃኑ ምጥንቃቑ ይዝከር።

እዚ ሚኒስተር እዞም ምሩኻት ናብ ሽወደን ክምለሱ ድሌት ከም ዘይብሉ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብ 2011 ኣብ ዘውጻኦ መጠንቀቕታ ዜጋታት ሽወደን ኣብ ሶርያ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ስለዘይህብ ናቡኡ ከይጐዓዙ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ኔሩ።

ሃገራት ኖርዲክ ነዚ ጒዳይ ብኸመይ ከም ዝሕዛኦ ሽወደን ብኣንክሮ ትከታተሎ ምህላዋ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com