Thursday , March 28 2024

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ሳጂድ ዣቬድ “ጸረ ስደተኛ መደረ”ሂቡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ሳጂድ ዣቬድ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃቦ ርእይቶ ካብ ስደተኛታት ብዙሕ ነቐፌታ ይመጾ ምህላዉ፥ አረ’ውን “ጸረ ስደተኛ መደረ” ብምባል ምውጋዙን ተገሊጹ።

ዣቬድ ነቶም ብጀላቡ ፕላስቲክ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ሰባት “ሓቀኛታት ሓተትቲ ዑቕባ ኣይኰኑን” ድሕሪ ምባል ብስቱር ዝካየድ ዋሕዚ ስደት ክቃለስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 539 ስደተኛታት ብናእሽቱ ጀላቡ ንካናል ብሪጣንያ ክሰግሩ ምፍታኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኸኣ 230 ምብጽሖም ዣቬድ ተዛሪቡ።

“ብሓዊ ሓተትቲ ዑቕባ እንተዀንኩም ንምንታይ ኣብታ ፈለማ ዝኣተኹምላ ውሕስቲ ሃገር ዘይትቕመጡ” ክብል ነቶም ካብ ፈረንሳ እናተበገሱ ካናል እንግሊዝ ብምቊራጽ ንብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዘሊፉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com