Thursday , April 25 2024
Foto: Robin Ek / TT / kod 10510

ሚኒስተር ፍትሒ እንድሕሪ ካብ መዝነቱ ከም ዝወርድ ተጌሩ ስልጣና ከም እትሓድግ ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣጠንቂቓ።

ኣብ ባይቶ፡ ን ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጁዋንሶን ባዶ ናይ መተኣማመኒ ድምጺ እንድሕሪ ዝወሃብ ኮይኑ፡ መንግስታ ብፍቓዱ ስልጣኑ ከም ዝሓድግ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ። ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን፡ ሚኒስተር ጁዋንሶን ጎነጻዊ ገበናት ኣብ ምክልኻል እዂል ጻዕሪ ኣይገበረን፡ ብምባል ባዶ ናይ ተኣማንነት ድምጾም ክህቡ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም፡ ሰለስተ ካልኦት ሰልፊታት ባይቶ እውን ኣሰሩ ከም ዝስዕባ ምሕባረን፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዘን ኣርባዕተ ሰልፊትት 173 ድምጺ ክህልወን እንከሎ፡ ነዚ ተግባር ንምፍጻም 175 ድምጺ ከም ዘድልየን እዩ ዝግልጽ ዘሎ። እንተኾነ ግና፡ ምስ ማንም ሰልፊ ዝምድና ዘይብሎም ክልተ ኣባላት ባይቶ ምስ ምህላዎም፡ ንሳቶም ነዚ ኣማመ ናይ እወ ድምጾም እንተ ሂቦም፡ እዚ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com