Thursday , April 25 2024
Junge, Heiko/TT

ሚኒስትሪ ምክልኻል ንግዙፍ ወተሃደራዊ ልምምድ ይቀራረብ

ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን፡ ፔተር ሁልትክቪስት (ሶ)፡ ነቲ ኣብ ኖርወይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልምምድ ኔቶ ጽባሕ ሰንበት ክዕዘብ እዩ። ብወገን ሽወደን፡ 2300 ወተሃደራት፡ ክልተ ንኣሽቱ መራኽብ ውግእን ሸሞንተ ያስ ግሪፐን-ፕላን ዝዓይነተን ነፈርቲን ክሳተፉ እዮም።

ፔተር ሁልትክቪስት፡ “ተሳታፍነት ሽወደን ኣብቲ ልምምድ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር፡ ንልዑላውነትና፡ ንሃገራዊ ሓድነትን ከምኡ’ውን ነቶም ቅዋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝደንገጎም መትከላትን ንምክልኻል ድሎዋት ምህላውና መልእኽቲ ይሰድድ፡” ምባሉ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ ምግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ዝካይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየዱ ልምምዳት እቲ ዝዓበየን ካብ ልዕሊ 30 ህገራት ልዕሊ 50,000ተሳተፍቲን ዝተጸንበሩዎን እዩ። እቲ ዝዓበይ ክፋል ናይ’ቲ ልምምድ ኣብ ኖርወይ ዝካየድ’ኳ እንተዀነ፡ ክሊ ኣየር ሽወደንን ፊንላንድን’ውን ነቲ ልምምድ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com