Thursday , March 28 2024
Marcel Kusch/TT

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፥ ንምእሳር ሓደ ሽወደናዊ ኣብ ቱርኪ የረጋግጽ  

ብመሰረት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ሓደ ኣብ ቨስትራ ዮተላንድ ዚቕመጥ ወዲ 45 ዓመት ሽወደናዊ ኣብ ዲያርካቢር እትበሃል ከተማ ደቡብ ቱርኪ ተኣሲሩ ኣሎ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቆንሱል ሽወደን ካብ ሰበስልጣን ቱርኪ ሓበሬታ ይእክብ ኣሎ፡ ማለት ስለምንታይ እቲ ሰብ ከም እተኣስረ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ቱርኪ፡ እቲ ሽወደናዊ እተኣስረሉ ምኽንያት ምስቲ PKK እተባህለ ግንባር ሓርነት ኩርድ ስለ እተሓባበረ እዩ። ንሱ ኣብቲ ኣኼባኦም ከም እተረኽበ እውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ሽወደን እውን ፖለቲካዊ ንጥፈታት የካይድ እዩ ተባሂሉ።

ቱርኪ ምስ PKK ንሰላሳ ዓመት ተዋጊኣ እያ። እቲ ግንባር፡ ንናጽነት እዩ ዚዋጋእ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ግን ድሩት ርእሰ ምምሕዳር እዩ ዚደሊ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ቱርክን እቲ ግንባርን እተኻየድ ካብ 1984 ዝጀመረ ውግእ፡ ኣስታት 40 000 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com