Tuesday , April 23 2024
Jonas Ekströmer/TT

ሚካኤል ይመር ኣብ ተኒስ ተሳዒሩ

ሚካኤል ይመር ኣብቲ ናይ ስቶክሆልም ኦፐን ናይ ተኒስ ጸወታ ተሳዒሩ። ወዲ 20 ዓመት ዝኾነ ሚካኤል በቲ ኣብ ዓለም መበል 145 ደረጃ ዘለዎ ኤርነስት ጉልቢስ እዩ ተሳዒሩ።

እዚ ኣብ ደረጃ 289 ዘሎ ሽወደናዊ ሚካኤል፡ ኣብቲ መጀመርታ ግጥም 4-6 ጽቡቕ ተጻዊቱ። ደሓር ግን ጽቡቕ ኣይከደን ማለት ኣብታ ካልአይቲ ግጥም 3-6 ተሳዒሩ ።

እቲ ብ 2014 ኣብ ዓለም ዓስራይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ ምኩር ዝኾነ ጉልቢስ፡ በቲ ዓወቱ ደስ ኢሉዎ።

መንዩ መጀመርታ ጌጋ ዚገብር ኢለ እየ ዝጽበ ነይረ ይብል ጉልቢስ።

ወዲ ላቲቭያ ዝኾነ ጉልቢስ፡ ንሚካኤል ጽቡቕ መጻኢ ከም ዘለዎን ኪዓቢ ከም ዚኽእልን ይገልጽ።

ነቲ ጸወታኡ ሓይሊ ኪውስኸሉ ኣለዎ። ከምኡ ምስ ዚገብር ሓያል ተጻዋታይ ኪኸውን እዩ፡ ይብል ጉልቢስ።

ኤልያስ፡ እቲ ንሚካኤል ምዕባይ ሓዉ፡ ኣብ ዚመጽእ እዋን ምስ ጃክ ስቶክ ኣብ ኣመሪካ ኪጻወት እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com