Friday , April 19 2024
(Malin Fezehai/Malala Twitter via AP) AMB806

ማላላ ናብ ኦስሎ ክትበጽሕ እያ።

ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ማላላ ዩሳፍዚ ምስ ዋና ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ሄንሪክ ትዩን ሓዊስካ ፍሉይ ፖለቲካዊ ርክብ ንምግባር ናብ ኖርወይ ክትኣቱ እያ።. ማላላ ዩሳፍዚ ኣብ መበል 17 ዕድሜኣ ኣብ 2014 ዝነኣሰት ተዓዋቲት ሽልማት ምዃና ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት ፖለቲከኛ
ዓቃባዊ ሰልፊ ኣሚር ሼኽ ዝገበረላ ዕድመ ማላላ ምስ በዓልቤታ ናብ ኖርወይ ክትኣቱ እያ። ብርክት ዝበሉ ፖለቲከኛታት ኖርወይ ክትረክብ ምዃና እውን NTB ጸብጺቡ’ሎ። “ምስ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ሄንሪክ ትዩን ንፍርቂ ሰዓት ክትዛተ እያ፡ ቀንዲ ዛዕባ መዛተዪኦም ድማ ትምህርቲ እዩ” ክብል ኣማኻሪ ጒዳያት ርክባት ራንሂልድ ሴምሳንድ ን NTB ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com