Friday , April 19 2024

ማልመ፡ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽያ

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ከተማ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሱንደስብሮስኮላን ምዕጻዋ ተፈሊጡ። ኣገልግሎት ዜና TT ንጋዜጣ ሲድ ስቨንስካ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 800 ተመሃሮ ክሳብ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ወሲኑ’ሎ።

ሲሶ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ስራሕ ከም ዘይተረኽቡን ካብ ተመሃሮ ድማ ክሳብ ፍርቂ ዝኾኑ በዚ ተጸልዮም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝቦኸሩ ተፈሊጡ።

ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ምስ ኣሃዱ ምቁጽጻር ለበዳ ምምሕዳር ስኮነ ብምትሕብባር፡ ነዚ ውሳነ ምውሳዱ ድማ ተገሊጹ።

ብፍላይ ቈልዑ ኣመና ብመልከፍቲ ተሃስዮምና ኣለዉ ክትብል ኮሚሽነር ትምህርቲ ማልመ፡ ሊንዳ ዴልትነር፡ ሓቢራ’ላ።

ሰብ መዚ ምቁጽጻር ለበዳ ኣብ ዝተዘራረብናሉ እዋን ምሉእ ቤት ትምህርቲ ናብ ርሕቀት ትምህርቲ ክቕየር ተላብዮምና ዝበለት ዴልትነር፡ ከምዚ ዓይነት ርእያ ከምዘይትፈልጥ ሓቢራ።

እዛ ተዓጽያ ዘላ ቤት ትምህርቲ መባእታ ደረጃ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻዱሻይ ክፍሊ ዘለዉ ተማሃሮ ዝሓቖፈት እያ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ፡ ኩሎም እቶም ተመሃሮ ብኮሮና ስለዝተለኽፉ ኣይኮኑን ኣብኩሮም ዘለዉ።

ዝመጽእ ሰኑይ፡ ምምሕዳር ከተማ፡ ንጉዳይ ምኽፋት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ብዝምልከት፡ ውሳኔ ከመሓላልፍ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com