Friday , April 19 2024
Emma-Sofia Olsson/SvD/TT

ማሕበር ሰራሕተኛታት (facket) ብዛዕባ ሰራሕተኛታት (Arbetsförmedlingen) ይሻቐል።

ማሕበር ሸቀልቲ ህዝባዊ ጽላት ኣብ ልዕሊ ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ክተኣታቶ እዩ ንዝተባህለ ጽንኩር ለውጢታት ነቒፍዎ።

ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ዕማማቱ ብምጒዳል ብሕታውያን ኲባንያታት ስራሕ ናይ ምንዳይ ዕማም ክርከባ እማመ ምውጹኡ ይፍለጥ።

እዚ ማሕበር እዘን ናይ ብሕቲ ኲባንያታት ካብ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ዕዮ ንላዕሊ ነዚ ስራሕ ክዓሞኦ ኣይክእላን እየን ዝብል ቅዋም ኣውጺኡ’ሎ።

ብመሰረት ኣብ መንጐ ኣርባዕቲአን ሰልፊታት ( ማለት ሰልፊ ሶሽል ዲሞክራትስ ፥ማእከላይ፡ ሊበራላውን ከባብያውን) እተበጽሐ ስምምዕ ቤትጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ብዝነጥፋ ንኣሽቱ ግላዊ ኩባንያታት ክትካእ እዩ።

እዚ ቤትጽሕፈት ኣብ ስርሑ ኣድማዒ ኣይኮነን ዝብል ተሪር ነቐፌታ ድሕሪ ምእንጋዱ እዩ እዚ ስምምዕ ተበጺሑ።

“ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት ሽወደን መሰረታዊ ዳግመ-ጽገና የድልዮ’ሎ” ይብል ኣባል የማናዊ ማእከላይ ባይቶ Martin Ahdahl።

እዘን ናይ ግሊ ኲባንያታት ሰባት ክሳብ ክንደይ ስራሕ ክረኽቡ በቒዖም ብዝብል መምዘኒ ካሕሳ ክኽፈለን እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com